ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን መንግስታት ንዝኣሰርዎም ጋዜጠኛታት ክፈትሑ ጻውዒት ቀሪቡ

ኣርማ ሲፒጄ

ምንጪ ስእሊ, CPJ

ንድሕነት ጋዜጠኛታት ዝጣባቕ ማሕበር ሲ-ፒ-ጀይ፡ ኣብዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝላባዓሉ ዘሎ እዋን ኩሎም መንግስታት ነቶም ኣብ ቀይዲ ኣእትዮሞም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ክፈትሑ ጸዊዑ።

"ሰብመዚ ነዞም ናይ ፖለቲካ እሱራት ብህጹጽን ብዘይ ቅድመኩነትን ክፈትሑ፡ ነቶም ልዕሊ 250 ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ብምውካል ንጽውዕ" ይብል እቲ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።

"ናጽነት፡ ነቶም ኣብተን ብኮሮናቫይረስ ዝተጸልዋ ሃገራት ተኣሲሮም ዝርከቡ ጋዜጠኛታት፡ ናይ ሞትን ሂወትን ሕቶ'ዩ"።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2001 ንውልዶ ናጻ ፕረስ ካብ ዝዕፍኖ ንድሓር ሓያሎ ጋዜጠኛታት ክኣስር ምጽንሑን፡ ንገሊኦም'ውን ኣብ ሃለዋቶም ክፍለጠሉ ዘይክእል ቦታታት ሰዊሩዎም ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ብዙሓት ኤርትራውያን'ውን፡ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ ዝጽውዕ መልእኽታት የስምዑ ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮጵያ'ውን እንተኾነ፡ ድሕሪ'ቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተገብረ ናይ ምፍታሕን፡ምስፋሕ መሰላትን ስጉምትታት ገለ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ጸኒሖም ኣለዉ።

እቲ ማሕበር፡ ኣብ መግለጺኡ፡ "ጋዜጠኝነት ናይ ሞት ፍርዲ ዘውህብ ሞያ ክኸውን የብሉን" ድሕሪ ምባሉ፡ #FreeThePress ዝብል ንናጽነት ፕረስ ዝጽውዕ ሓድሽ ጎስጓስ ጀሚሩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣሽማት ክፍትሑ ዝድለዩ ጋዜጠኛታት

ምንጪ ስእሊ, con