ኣሜሪካ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዘሕለፈቶም ውሳነታት ንሓደ ወርሒ ኣናዊሓ

ኮሮናቫይረስ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ መምርሕታት ኣመሪካ ክሳብ 30 ሚያዝያ ከምዝተናውሐ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣሜሪካ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዘሕለፈቶም ውሳነታት ንሓደ ወርሒ ኣናዊሓ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ማሕበራዊ ምፍነታት ዝብል ዝርከቦም ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝተወሰኑ መምርሕታት ኣሜሪካ ክሳብ 30 ሚያዝያ ከምዝተናውሑ ተዛሪቡ።

ንሱ እቶም ውሳነታት ቅድሚ በዓል ፋሲካ (ትንሳኤ) ክፎኽሱ ከምዝኽእሉ ከምዝኽእሉ ገሊጹ ነይሩ።

"እቲ ዝለዓለ መጠን ሞት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ዝምዝገብ'ዩ ዝመስል" ክብል ኣጠንቂቑ።

ማሕበራዊ ምፍንታት ክናዋሕ ዝተወሰነ "በዚ ምቕጻል እንተዘይተኻኢሉ ክሳብ 2.2 ሚልዮን ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ" ምስ ሰምዐ'ዩ።

ንሱ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ትሕቲ 100 ሽሕ ምቁጽጻር እንተተኻኢሉ "ኩላህና ዓብዪ ስራሕ ከምዝሰራሕና ዝቑጸር'ዩ" ክብል ኣረዲኡ።

እቲ 2.2 ሚልዮን ዝብል ቁጽሪ ጽልዋ ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ ብኢምፐሪካል ኮሌጅ ለንደን ኣብ ዝተሓተመ ጸብጻብ ዝተረኸበ እዩ።

ትራምፕ "ሕሉፍ ህይወት ምተመለሰ ትምኒተይ እዩ. . . ግን ብዝከኣለና ንሰርሕ ኣለና፤ ንሱ እየ ዝፈልጥ።ነገራት ይርእይ ኣለኹ፤ ቁጽርታት ይዕዘብ ኣለኹ እቲ ዘገድስ ግን ንሱ ኣይኮነን። ነዓይ

ዘገድሰኒ ክንድዝኸኣልናዮ ኣብ ልዕሊ'ዚ ነገር ዓወት ክንረክብ ምዃንና'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ውሽጢ 5 ደቒቓ ውጽኢት ዘፍልጥ "ቅልጡፍ መመርመሪ" ኮቪድ-19 እውን ኣፍልጦ ከምዝረኸበ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት ዶካትር፣ ነርስን ካልኦት ሰራሕተኛ ሓለዋ ጥዕናን ምርመራ ከምዝገብሩ ኣተንቢሁ።

ጸረ-ቫይረስ መድሓኒት'ውን ን1,100 ሕሙማት ዝተወሃበ ኮይኑ "ከመይ ከምዝኸውን ንጸበይ፤ ዘስደምም ውጽኢት ክህልዎ ይኸውን'ዩ" ኢሉ'ሎ ትራምፕ።

ኣብ ቤተመንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣማኻሪ ጉዳያት ጥዕና ዶክተር ኣንቶኒ ፋውሲ፡ እቲ ቫይረስ ክሳብ 200 ሽሕ ኣሜሪካውያን ክቐትል ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ አሜሪኣውያን'ውን ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ሓቢሩ'ዩ።

ኣሜሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 140,000 ሕሙማት እቲ ቫይረስ ኣለዉዋ።

መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዘመልክቶ ድማ ክሳብ ሰንበት ምሸት 2,493 ሰባት ሞይቶምዋ ኣለዉ።

ኣሜሪካ ብቑጽሪ ረኽሲ ዘጋጠሞም ሕሙማት ንቻይናን ጣልያንን ኣብ ምምራሕ ትርከብ።