እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
40,000 ሰባት ንኽውሸቡ ምኽንያት ዝኾነ መራሒ ሃይማኖት
ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ኣብ እትርከብ ክፍለሃገር ፑንጃብ፡ ነበርቲ 20 ቁሸታት ዝኾኑ ኣስታት 40 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ሓደ ሰብ ተወሺቦም ከምዘለው ሰብመዚ ጥዕና ሓቢሮም።
እቲ ወዲ 70 ዓመት፡ መራሒ ሃይማኖት፡ ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞተ ድሒሩ'ዩ ተርጋጊጹ።
ካብቲ ኣብ ኢጣልያን ጀርመንን ዝገበሮ ምብጻሕ ምስተመልሰ፡ ካብ ሰባት ተኣልዩ ክጸንሕ ንዝተዋህቦ ምዕዶ ዕሽሽ ብምባል፡ ንቡር ማሕበራዊ ርክባት ከምዝቐጸለ ሰብመዚ'ቲ ከባቢ ንቢቢሲ ቋንቋ ፑንጃቢ ተዛሪቦም።
ኣብ ህንዲ ክሳብ ሕጂ 640 በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ እቶም 30 ኣብ ክፍለሃገር ፑንጃብ ዝተረኽቡ'ዮም።
ይኹን'ምበር፡ እቲ ቁጽሪ ካብኡ ኣዝዩ ክዓቢ ከምዝኽእል ሰብሞያ ይገልጹ። ህንዲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝተሓተ መጠን መርመራ ዘለወን ሃገራት'ያ።
እቲ ባልደቭ ሲንግ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰባኺ፡ ድሕሪ ካብ ኣውሮጳ ምምላሱ ኣብቲ ሆላ ሞሃላ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓቢ ፌስቲቫል ሃይማኖት ሲክ ተሳቲፉ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።
ኣብቲ ን6 መዓልታት ዝጸንሕ ፌስቲቫል መዓልታዊቲ ልዕሊ 10000 ሰባት ይሳተፉ።
ሓደ ሰሙን ድሕሪ ሞቱ፡ 19 ኣባላት ቤተሰቡ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ተረጋጊጹ።
"ክሳብ ሕጂ፡ ምስኡ ቀጥታዊ ርክብ 550 ሰባት ክንረክብ ኪኢልና ኣለና፡ እቲ ቁጽሪ ኸኣ ይውስኽ'ዩ ዘሎ። ኣብቲ ንሱ ዝነብረሉ ከባቢ ዘለዋ 15 ዓድታት ዓጺናየን ኣለና" ክብል ሓደ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ ከባቢ እተን ዓድታት ዝርከባ ካልኦት 5 ቁሸታት'ውን ተዓጽየን ኣለዋ።
ኣብ ህንዲ ከምዚ ዓይነታ ጃምላዊ ወሸባ ከጋጥም እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።
ኣብታ ብፍርያት ጡጥ ፍልጥቲ ዝኾነት፡ ኣብ ክፍለሃገር ራጅስታን እትርከብ ከማ ብሂልዋራ'ውን፡ ሓደ ጉጅለ ሓካይም እቲ ቫይረስ ካብ ሓደ ዝኣልዩዎ ዝነበሩ ሕሙም ምስ ሓለፎም፡ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ኣማኢት ሰባት ኣላቢዖሞ ከይኮኑ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።
ብሰንኪ'ዚ፡ ኣስታት 7000 ዝኾኑ ነበርቲ ዓድታት ናይቲ ከባቢ ኣብ ኣባይቶም ከም ዝውሸቡ ተጌሩ'ሎ።
ህንዲ፡ ን21 መዓልታት ዝጸንሕ ጽኑዕ ዕጽዋ ኣዊጃ ትርከብ። ዝኾነ ሰብ መግብን መድሃኒትን ክግዝእ ምስ ዝግደድ እንተዘይኮኑ፡ ኣብ ገዝኡ ክዕጾ ተኣዚዙ'ሎ።