እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ብዝተፈጥረ ናዕቢ 23 እሱራት ተቐቲሎም
ኣብ ቦጎታ ርእሰ-ከተማ ኮሎምቢያ፡ ኣብቲ ዝዓበየ ቤት-ማእሰርቲ እታ ሃገር ብዝተፈጥረ ዕግርግር 23 እሱራት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
እቶም እሱራት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ወጥሪ፡ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ሰይሮም ክወጽኡ ምስ ፈተኑ እዮም ተቐቲሎም።
ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ማርጋሪታ ካበሎ፡ ኣብ እዋን እቲ ናዕቢ ካልኦት 83 እሱራት ከምዝቆሰሉ'ውን ሓቢራ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ዕግርግር ብዘስዓቦ መጉዳእቲ 32 እሱራትን 8 ሓለውትን ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም ኣለው። ክልተ ካብቶም ሓለውቲ ከኣ ኣብ ጽኑዕ ኩነታት ከምዘለው ኣመልኪታ።
ብሰንኪ ኣብ ቤት-ማእሰርትታት ተፈጢሩ ዘሎ ጽቕጥቕጥን፡ በቲ ዝወሃብ ዘሎ ድኹም ሕክምናዊ ኣገልግሎትን እዩ እዚ ናዕቢ ትማሊ ሰንበት ተጀሚሩ።
እቲ ናዕቢ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ 13 ቤት-ማእሰርትታት እዩ ተኻይዱ።
ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ግን፡ ብዛዕባ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ጽርየትን እቲ ቤት-ማእሰርቲታት ንዝወሃብ ዘሎ ርእይቶታት ብምንጻግ፡ ናይ ጸርየት ጸገማት ከምዚ ዓይነት ናዕቢ ከለዓዕል ከምዘይክእል ገሊጻ።
ገለ ካቶም እሱራት፡ ብቕትለትን ብምዕናው ንብረትን ክኽሰሱ ምዃኖም'ውን ኣመልኪታ።
ስድራ-ቤት እቶም እሱራት ሃለዋት ደቆም ንምፍላጥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ተኣኪቦም ይጽበዩ ምህላዎም ተገሊጹ።
ኣብ ኮሎምቢያ፡ 81 ሽሕ እሱራት ክሕዙ ዝኽእሉ 132 ቤት-ማእሰርትታት ኣለው። እንተኾነ ግን፡ እቲ ቤት-ማእሰርትታት ልዕሊ 121 ሽሕ እሱራት ሒዙ ከምዘሎ ጸብጻባት ምኒስትሪ ፍትሒ ይሕብሩ።
ኣብታ ሃገር፡ ካሳብ ሕጂ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብዝሒ 231 በጺሑ ከምዘሎን፡ በቲ ለበዳ ክልተ ሰባት ምሟቶምን ይግለጽ።
ኮሎምቢያ፡ ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጂሚራ፡ ን19 መዓልቲ ዝጸንሕ ሃገራዊ ውሸባ ክትጀምር ምዃና ኣዊጃ'ላ።
ካብ 70 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ሰባት ድማ፡ ክሳብ መወዳእታ ግንቦት ካብ ገዛውቶም ከይወጹ ተሓቢርዎም ኣሎ።