ኣብ ክሮአሽያ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ

ርእሰ-ከተማ ክሮኣሽያ፡ ዛግረብ ብሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዝተናወጸት ተሓቢሩ። እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንዓበይቲ ህንጻታትን፡ መካይንን ከምዘዕነወ ተገሊጹ።

በቲ ዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ሓደ መንእሰይ ብጽኑዕ ተጎዲኡ ሕክምናዊ ክንክን ይግበሩ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

እቲ ናይ 5.3 ሬክተር ዓቐን ብርታዐ ዝነበሮ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ውሽጢ 140 ዓመት እቲ ዝበርተዐ ኮይኑ፡ ኣብታ ከተማ መጠናዊ ጽልዋ ከም ዘሕደረ ይንገረሉ።

ነበርቲ ናይታ ከተማ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ገዛውቶም ክጸንሑ ተሓቢርዎም እኳ እንተነበረ፡ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ ናብ ጎደናታት እታ ከተማ ከምዝወጹ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ባይቶ እታ ሃገር ዝእከበሉን ካልኦትን ብዙሓት ህንጻታት ብከፊል ክዓንው እንከለው፡ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ኣውስትርያን ስሎቨንያን'ውን ተራእዩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፡ "ካብ ነንሕድሕድኩም ተረሓሓቁ፡ ኣይትቀራረቡ፤ ኣብዚ እዋን ክልተ ከበድቲ ጸገማት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ምንቅጥቃጥ ምድሪን ኣጋጢሙና'ሎ" ክብል ተዛሪቡ።

ኩነታት እታ ከተማ ምስ ሃድአ ድማ፤ ከንቲባ እታ ከተማ ንነበርቲ እታ ከተማ ናብ ቤቶም ክምለሱ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ክሮኣሽያ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 200 ሰባት ብለበዳ ኮሮናቫይስ ተለኺፎም ኣለው።