ብኮሮናቫይረስ ዝሓመመት ኤርትራዊት ገጣሚት ሳባ ኪዳነ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣላ?

ገጣሚት ሳባ ኪዳነ

ምንጪ ስእሊ, Saba Kidane/Facebook

ገጣሚት ሳባ ኪዳነ፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፋ ንገዛእ ርእሳ ወሺባ ከም ዘላ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ኣቢሉ ምልክታት እቲ ሕማም ተርኢ ምንባራ ዝገለጸት ኣብ ፈረንሳ እትነብር ኤርትራዊት ገጣሚት ሳባ ኪዳነ፡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ብመሰረት ትእዛዝ ሓኪም ክትውሸብ ከም ዝተገብረ ሓቢራ።

ሳባ ኪዳነ፡ ብዛዕባ ዘላትሉ ኩነታትን ሰባት ክገብሩዎ ብዛዕባ ዝግባእ ጥንቃቐን ኣዛሪባትና ኣላ።

Short presentational grey line

ቢቢሲ፡ ገጣሚት ሳባ ኪዳነ፡ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፍኪ ብኸመይ ክትፈልጢ ክኢልኪ?

ሳባ ኪዳነ፡ እቲ ዝነበረኒ ምልክታት ንኣርባዕተ ሓሙሽተ መዓልቲ ተኸታቲተለዮ፤ ከምዚ ብዙሕ ከተድህበሉ ዘይትኽእል ምጽእ ክይድ ዝብል ሕማም ርእሲ፣ ድርቀት ጉሮሮን ንኻልእ ምኽንያት ዘላገብኽዎ ድኻምን ይስመዓኒ ነይሩ።

ቀልጢፈ ንሓኪመይ ብዛዕባ ስምዒታተይ ቀጻሊ ይነግሮ ስለ ዝነበርኩ ግን፡ ጾም'ውን ስለ ዝኾነ ምስኡ ተሓዊሱ ከይኸውን ክገድፎ ሓቢሩኒ።

ጸኒሐ እቲ ኩነታት እንተርኣኹዎ ግን፡ ብፍላይ ቃንዛ ጉሮሮ፣ ኣፍንጫ፣ ድኻም፣ ርግኣት ረኺብካ ኣትኲርካ ዘይምስራሕ ዝበሉ ዝርብሹ ስምዒታት ክስምዓኒ ጀሚሩ። ካልእ ኣብ ከባቢ ዓይነይ ብዙሕ የሕምመኒ ነይሩ፤ ከባቢ ግንባረይ'ውን የሕምመኒ ነይሩ እንተኾነ እዚ ምልክታት ናቱ ኣይመሰለንን ነይሩ።

ብመሰረት ሓኪመይ ዝሃበነይ መብርሂ ግን እቲ ሕማም ዝተፈላለየ ምልክታት ከም ዘርኢ ነጊሩኒ። ሓኪም ኩሉ ምልክታት ምስ ርኣየ፡ ንካልኦት ንምዘይምልካምን ቀልጢፍካ ንምሕዋይን፡ ናይ ክልተ ሰሙን ተውሽቦ ኣእቲየኪ ኣለኹ ኢሉኒ፤ ተወሺበ ኽኣ ይርከብ።

ቢቢሲ፡ እንታይ ይነት ጥንቃቐ ትገብር ኣለኺ?

ሳባ ኪዳነ፡ ሓደ ካብ መከላኸሊ መገዲታት ምዝርጋሕ እቲ ሕማም ኣብ ሞንጎኻ ዝህሉ ርሕቐት ምፍላይ ስለ ዝኾነ ምስ ደቀይ ይኹን ካልእ ሰብ ርክብና ብራሕቒ ክኸውን ጌርና ኣለና። በቲ ሕማም ዝተለኸፈ ሰብ ምስ ሓኪሙ ከይተረፈ ብኣካል ኣይራኸብን፤ ኩሉ ምዕባለታትን ዕላላትን ብቴሌፎን'ዩ።

ኩሎም ኣነ ዝትንክፎም ነገራት ድማ ብግዝኡ ብኣልኮሎ ብምጽራይ፣ ኣእዳወይ ብኣገባቡ ይሕጸብን መሸፈኒ ገጽ ይጥቀምን ኣለኹ። ብቐንዱ፡ እቲ ቫይረስ ክታበት ዘይብሉ ግን ድማ ነብስና ባዕሉ ክቐትሎ ዝኽእል ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ከኽእለኒ ብብዝሒ ፈሳሲ ይወስድን ውልቃዊ ጽርየተይ ይሕሉን ኣለኹ።

ነብሰይ ቀልጢፉ ንክቐትሎን ንክስዕሮን ኣብ ምክትታል ድማ ይርከብ።

ቢቢሲ፤ ብኸመይ ግን ነዚ ቫይረስ ክቃላዕ ክኢለ ኢልኪ ትግምቲ?

ሳባ ኪዳነ፡ ሽሕን ሚኢትን ምኽንያታት ነይሮም፤ ሓደ ቖልዑት ኣለው፤ ኣደ ቖልዑ'የ።

ዝሓለፈ ሰሙን እዮም ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ደው ኣቢሎም፤ ስለዚ እቲ ቫይረስ ምስኦም እንተጸኒሑ'ውን፡ ቆልዑ ስለ ዝኾኑ ንሳቶም እናሰዓሩዎ ንዓኻ ከሕልፉልኻ ይኽእሉ'ዮም።

በዚ ምኽንያት፡ ብዙሓት ስድራ ካብ ቖልዑ ክርሕቑ ይግበር ኣሎ።

ካልእ፡ ብቐዳም ሸመተ ነይሩ፤ ቅድመ ምድላው ንክገብር ናብ ሸመተ ወጺአ ነይረ፤ ኣነባብራይ ባዕሉ ብዙሕ ኣብ ገዛ ኮፍ ምባል ስለ ዘይፎቱ ጥንቃቐ እናገበርኩ ብዙሕ ግዜ ናብ ደገ ይወጽእ ነይረ።

እ . . . ናይ ህዝቢ ኣውቶብሳት'ውን ብብዝሒ ክጥቀም ይግደድ ነይረ። እዚ ኹሉ ጥንቃቐ 'የ ዝገብር ነይረ፤ ግን ድማ ኣጋጣሚ ኮይኑ ተጠቒዐ ኣለኹ።

ቢቢሰ፡ ሕጂ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ጥዕና ኣለኺ?

ሳባ ኪዳነ፡ ድኻም ኣለኒ፣ ሽውሃት የብለይን፣ ደሓን ዝብሎ ናይ ረስኒ ኩነታት ኣለኒ፣ ደቂሰ ምስ ጸናሕኹ ጉሮሮይ ይዕጾ፣ ብብዝሒ ዝስዕለሉ ግዜ'ውን ኣሎ። ከምቲ ግዜይ ክጥቀመሉ ዝደሊ ዝጥቀመሉ ሓይሊ'ኳ እንተዘይሃለወኒ ድሓን እየ።

ቢቢሲ፡ እዚ ናይ ተውሽቦ ነገር፡ ሰባት ዚያዳ ስንባደ ከይፈጥረሎምን ናይ ተነጽሎ ስምዒት ከየማዕብሉን ይስጋእ'ዩ። ግዜኺ ብኸመይ ተሕልፍዮ ኣለኺ?

ሳባ ኪዳነ፡ ከምቲ ዝለመድካዮ ብዙሕ ክትገብር ዘይምኽኣልካ ዝስምዓካ ነገር ኣሎ፤ ግን ሰብ ዘሐጉሶ ነገር ክፍትሽን መንፈሳዊ ጥንካረን ተሓድሶን ዝፈጥርሉ ነገራት ክገብርን ኣለዎ።

ክጽሕፍ ዝኽእል እንተኾይኑ ምጽሓፍ፣ ዝስእል እንተኾይኑ ምስኣል፣ ብመሳርሒ ሙዚቃ ዝተዳለው ሙዚቃታት ምስማዕ፣ ከም እምነትካ ድማ መዝሙራት ምስማዕ የድሊ።

ብወገነይ፡ ንነብሰይ ኣብ ተነጽሎ ከም ዘላ ስምዒት ንከይፈጥረላ ከም ናይ ድምጺ መጽሓፍ ምስማዕ፣ ሙዚቃን መዝሙራትን ምድማጽ፣ ምስ ደቀይ ድማ ዋላ ብቴሌፎን ይኹን ነዊሕ ዕላል የዕልል ኣለኹ።

ካልእ ቅድሚ ሕጂ ዘይገበርኩዎም ነገራት ምስ ሓሸኒ ንክገብሮም ብጽሑፍ የስፍሮም ኣለኹ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ሓይለይ ክምለስ ተስፋ ይገብር፤ ተኽእሎ እውን ኣሎ።

ስለዚ እዚ ኩነታት ከም ዝስገር ፈሊጥና፡ እዚ ናይ ተውሽቦ ግዜ ምስ ነብስና ናይ ምዝራብ ግዜ ክኸውን ጌርና፣ ንነብስና ናይ ምጥንካር ግዜ ምዃኑ ክስምዓና ኣለዎ።