ኩለን ግዝኣታት ኣሜሪካ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፈን፡ ሞት'ውን ይውስኽ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Noam Galai
ኣብ ኩለን ግዝኣታት ኣሜሪካ ኮሮናቫይረስ ተራእዩ፤ ቨርጂኒያ ፈላማይ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ትማሊ እያ ረኺባ።
ኣመሓዳሪ ምዕራብ ቨርጂኒያ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እዚ ከም ዝመጽእ ንፈልጥ ነይርና" ኢሉ።
ከተማ ኒውዮርክ'ውን ልክዕ ከም ሳን ፍራንሲስኮ በይ፡ ሙሉእ ንሙሉእ ክትውሸብ መደብ ከም ዘለዋ ይግለጽ።
ከንቲባ ቢል ዲ ባላሲዮ 8.5 ሚሊዮን ህዝቢ እታ ከተማ "ኣብ ሓደ ቦታ ከዕቁብ" ኣለዎ ዝብል ውሳነ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ከነፍልጥ ኢና ኢሉ።
እዚ ስጉምቲ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ክውሸቡ ዝገብር ኮይኑ፡ ክሳብ ዘይተተናኸፉ ከኣ ናብ ፋርማሲ ወይ ግሮሰሪ ክኸዱ፣ ስፖርታዊ ምንቅስቓስን ጉዕዞ እግርን ክገብርሩ ዘፍቅድ'ዩ ተባሂሉ።
"ኣዝዩ ከቢድ ውሳነ እዩ" ዝበለ ዲ ባላሲዮ፤ "ኣብ ታሪኽ ከተማ ኒውዮርክ ከምዚ ዓይነት ነገር ሰሚዐ ኣይፈልጥን" ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።
ሰብ መዚ ሳንፍራንሲስኮ ቤይ፡ ኣገዳሲ እንተዘይኮይኑ፡ ክሳብ 7 ሚያዚያ 6.7 ሚሊዮን ነበርቲ ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ኣዚዞም ኣለው።
ምምሕዳር ትራምፕ በዚ ምኽንያት ክሳራ ንዘጋጠሞም መገዲታት ኣየር ዘድሊ 50 ቢሊዮን ዶላር ገንዘብ ሓዊሱ ልዕሊ ሓደ ትሪሊየን ዶላር ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ገሊጹ'ዩ።
ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 6300 ሰባት በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ ዛጊት 108 ሰባት ሞይቶም።
ብደረጃ ዓለም ዘሎ ቁጽሪ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ፡ 200 ሽሕ እንትበጽሕ ኣስታት 8 ሽሕ ሰባት ሞይቶም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







