ህንዲ፡ ድምጺ ጻውዒት ቴሌፎን ብሓበሬታ ኮሮናቫይረስ ቀይራ

ህንዲ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝሓሸ ውሑዳት ግዳያት ኮሮናቫይረስ እያ ኣመዝጊባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህንዲ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝሓሸ ውሑዳት ግዳያት ኮሮናቫይረስ እያ ኣመዝጊባ

ኣብ ህንዲ ብዙሓት ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ቴሌፎን፡ ቅድሚ እቲ ልሙድ ናይ ቴሌፎን ጻውዒት ድምጺ፡ ን 30 ካልኢት ሓበሬታ ኮሮናቫይረስ ክስማዕ ገይሮም።

ኩባኒያታት ቴሌኮምዩኒኬሽን ህንዲ ጂዮ፣ ቢኤስኤንኤልን ቮንዳፎንን ካብ መንግስቲ ብዝቐረበሎም ጻውዒት፡ ነዚ ስጉምቲ ክወስዱ ክኢሎም።

እዚ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ዝተዳለወ መልእኽቲ፡ ብዝስዕል ሰብ ጀሚሩ ሓበሬታ ዝህብ ኮይኑ፡ እቲ ልሙድ ድምጺ ጻውዒት ስዒቡ ይመጽእ።

እንተኾነ፡ ተጠቀምቲ ተደጋጋሚ ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ ሕጉሳት ስለዘይኮኑን ጥርዓን ከስምዑ ምስጀመሩን፡ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ከመይ ከጥፍኡዎ ከም ዝኽእሉ ተጻሒፉ።

እቲ ዝስማዕ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ እቲ ቫይረስን ምልክታቱን ዝሓዘ ኮይኑ፡ ብወገን እቲ ደዋላይ ዝስማዕ እምበር ባዕልኻ ኣብ መተግበሪ ኣቲኻ እተዐርዮ ኣይኮነን።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ህንዲ ኪንጃል ፓንዲያ-ዋህ፡ "ኣብ ጻውዒታት ስልከይ ነዚ መልእኽቲ ክሰምዕ ካብ ዝጅምር ዳርጋ ሰሙነይ ገይረ" ኢላ።

"ሰባት ብዛዕባ ምልክታት እዚ ሕማም ክፈልጡን እንተተራእዩዎም ክገብሩዎ ብዛዕባ ዝግባእ ስጉምትን ሓበሬታ ክህልዎም ሓጊዙ'ዩ"

እንተኾነ፡ ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ሓበሬታ ዘለዎም ሰባት ግን ደጋጊሞም ክሰምዑዎ እንከለው፡ "ስንባደ" ይፈጥረሎም ኣሎ ትብል።

ህንዲ፡ ካብ ትሸዓተ መጋቢት 2020 ጀሚራ እያ፡ ድምጺ ጻውዒት ቴሌፎን ብሓበሬታ ኮሮናቫይረስ ቀይራ ዘላ።