እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ግዳይ ኮሮናቫይረስ ዝኾነ ጃፓናዊ ተረኺቡ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ጃፓናዊ ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦ ጃፓናዊ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ኣቢሉ ካብ ቡርኪናፋሶ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ሓቢራ።
እቲ ወዲ ከም ሰዓልን ረስንን ዝኣመሰሉ ምልክታት እቲ ሕማም ዝተረኣዮ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ተወሺቡ ከምዝርከብ ተገሊጹ።
ኩነታት ጥዕንኡ እውን ኣብ ሕማቕ ደረጃ ዝበጽሐ ከምዘይኮነ ካብቲ መግለጺ ምርዳእ ተኻኢሉ'ሎ።
ምስ እቲ ጃፓናዊ ርክብ ነይርዎም ዝተብሃሉ 25 ሰባት ከኣ ሕክምናዊ ምክትታል ይግበረሎም ኣሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን ሓደ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣመሪካ ዝተጉዓዘ ኣመሪካዊ ብኮሮና ቫይረስ ከምዝተጠቕዐ ተገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ምስ እቲ ኣመሪካዊ ርክብ ነይርዎም ዝተብሃሉ ሰባት ግቡእ ምርመራ ተገይርሎም፡ ዛጊድ እቲ ሕማም ዝተረኸቦ ሰብ ከምዘየለ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ካሳ ኣፍሊጣ።
ካብ ቻይና ተበጊሱ ልዕሊ 118 ሃገራት ዝበጽሐ ኮሮና ቫይረስ፡ ልዕሊ 130 ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ክልከፉ እንከለው፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ሰባት ድማ እቲ ሕማም ሞይቶም ኣለው።