ኢልሃን ዑመር ፖሎቲካዊ ኣማኻሪኣ ንዝነበረ ተመርዕያ

ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ኢልሃን ዑመር፡ ንፖሎቲካዊ ኣማኻሪኣ ቲም ሞይነት ከምዝተመርዓወት ብኢነስትግራም ሓቢራ።

ንሳ፡ ኣብ ጎኒ ናይ ክልቲኦም ስእሊ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ፡ "ተመርዕየ፤ ካብ ፖሎቲካዊ ህይወት ናብ መጻምዲ፤ ተባሪኸ" ክትብል ጽሒፋ።

ብስደት ናብ ኣመሪካ ዝኣተወት ጓል 38 ሶማሊያዊት ኣመሪካዊት ኢልሃን ዑመር፡ ካብቶም ቀንዲ ነቀፍቲ ፖሊስታት ፕረዚደንት ትራምፕ እያ።

ኢልሃን፡ ካብታ ብኲናት ዝተሓመሰት ሃገራ ሶማሊያ ሃዲማ ድሕሪ ምውጻእ፡ ኣብ መበል 14 ዓመት ዕድሚኣ እያ ናብ ኣመሪካ ተሰዲዳ።

ንሳ፡ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ምስ ናይ ቀደም ሰብኣያ ኣሕመድ ሂሪሲ ተፋቲሓ። ካብኡ ድማ ሰለሰተ ቆልዑት ኣለዉዋ።።

ቲም ሞይነት መን እዩ

ቲም ሞይነት፡ ኣብ 1981 ዝተወልደ ኮይኑ፡ ኣብ ኒው ዮርክን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ኳዙሉ ናታል ዮኒቨርሲትን ተማሂሩ።

ንሱ'ውን ቅድሚ ንኢልሃን ምምርዓው፡ ብዓል ሓደር ከምዝነበረን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ከምዝተፋተሓን ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ፖሎቲካ ጽፍሕታት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ቀረባ እዋናታት ከም ፖሎቲካዊ ኣማኻሪ ኢልሃን ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።