እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥዕና፡ ቁጽሪ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ኣፍሪቃውያን ናብ 27 ክብ ኢሉ
ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርታ ዝበለቶ ወዲ 38 ዓመት ዜጋኣ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተተሓዘ ገሊጻ።
እዚ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ምስ በዓልቲ ቤቱ ናብ ጣልያን ገይሹ ከምዝነበረ'ውን ተሓቢሩ'ሎ።
በዚ መሰረት ኣብ ኣፍሪቃ ብጠቅላላ 27 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተፈሊጡ። እታ ዝበዝሑ ግዳያት ዘለዉዋ ኣልጀርያ 17 ዜጋታት ብኮሮናቫይረስ ክተሓዙ እንከለዉ ካብዚኣም እቶም 16 ካብ ሓደ ስድራ'ዮም።
ሚኒሰተር ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ ዘወሊ ምክሂዘ፡ እዞም መጻምድቲ ምስ ክልተ ደቆም ዓሰርተ ርእሶም ካብ ዓዲ ጣልያን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓደ መጋቢት ከምዝመጽኡ ሓቢሩ።
እቲ ነዚ ብኮሮናቫይረስ ዝተተሓዘ ዝመርመረ ዶክተር እውን ንበይኑ ተወሺቡ ከምዘሎ እቲ ሚኒሰተር ገሊጹ።
ግዳያት ዝተረኸብወን ኣፍሪቃውያን ሃገራትን ቁጽሪ ግዳያትን
ኣልጀርያ - 17 ሰባት
ሰኔጋል - 4 ሰባት
ግብጺ - 2 ሰባት
ሞሮኮ - 1 ሰብ
ናይጀርያ - 1 ሰብ
ቱኒዝያ - 1 ሰብ
ደቡብ ኣፍሪቃ - 1