እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮና-ቫይረስ፡ "ኣነን ጋንታይን ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ ኢና ንምንታይ ክንፍለ ተገይሩ ግን እንድዒ" ናትናኤል ብርሃነ
ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ 'ዎርልድ ቱር' ዝሳተፉ ዝነበሩ ተጻወትን ኣባላትን ጋንታት ቅድድም ብሽክለታ ኮፊደስ፡ ግሩፕኣማ ኤፍዲጀይ፡ ጋንታ ዩኤኢ ከምኡ እውን ናይ ሩስያ ጋንታ ጋዝፕሮም ክሳብ መጋቢት 14 ተወሺቦም (ተፈልዮም) ክጸንሑ ምዃኖም ተገሊጹ።
ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ'ውን ሓደ ካብዞም ተወሺቦም ዘለዉ ኮይኑ ከም ዘሎን፡ ካብ ኮሮናቫይረስ ናጻ ምህላዎም ተረጋጊጹ ክንሱ ክሳብ መጋቢት 14 ተፈልዮም ክጸንሑ ምውሳኑ 'ዘይፍትሓዊ ' ከምዝኾነ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ሓቢሩ።
ዎርልድ ቱር ዩኤኢ ካብ ለካቲት 23 ጀሚሩ ንሸውዓተ መድረኻት ክካየድ ተወጢኑ እኳ እንተነበረ፡ ክዛዘም ክልተ መድረኻት ምስ ተረፎ ክልተ ካብ ኣባላት ኮሚተ ጋንታ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም ስለዝጸንሑ እቲ ውድድር ከምዝተቋረጸ ይዝከር።
ሰብ መዚ ኢማራት ዓረብ ብሰሉስ ከም ዝሓበርዎ፡ ምስቲ ዝካየድ ዝነበረ ቅድድም ብሽክሌታ ምትሕሓዝ ዝነበሮም ሽዱሽተ ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ከምዝጸንሑ ገሊጾም።
መብዛሕትኦም ተቐዳደምቲ ኣባላት ጋንታታትን ጋዜጠኛታትን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዝተገበረሎም መርመራ ናብ ዓዓዶም ከምዝተሰደዱ ክግለጽ እንከሎ፤ ኣባላት ጋንታ ኮፊደስ፤ ግሩፕኣማ ኤፍዲጀይ፤ ጋንታ ዩኤኢ ከምኡ እውን ናይ ሩስያ ጋንታ ጋዝፕሮም ክሳብ ሕጂ ተወሺቦም ከምዘለዉ ተገሊጹ።
ናትናኤል ብርሃነ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ውድድሮም ምስ ኣካየዱ ናብ ዓርቢ ዘውግሕ ሰዓት ኣርባዕተ ናብ መደቀሲኦም መጺኦም ክምርመሩ ምዃኖም ከምዝተሓበርዎም ተዛሪቡ።
"ዓርቢ መርመራ ገይርና እቲ ውጽኢት ብሰንበት መጺኡና። ኣብቲ የዕሪፍናሉ ዝነበርና ሆቴል ኣብ ካልኣይን ሻዱሻይን ደርቢ ዝነበሩ ጋንታታት ናጻ ተባሂሎም ናብ ዓዶም ተፋንዮም፡ ኣብ ራብዓይ ደርቢ ዝነበርና ኣርባዕተ ጋንታታት ግን ዘይነጸረ ወጽኢት ስለዘሎ ጽንሑ ተባሂልና" ይብል ናትናኤል።
ናትናኤል ብርሃነ ብምስዓብ፡ ካብቶም ኣብ ራብዓይ ደርቢ ዝነበሩ ተቐዳደምትን ኣባላት ጋንታን ኣብ ክልተ ሰባት ረስኒ ስለዝረኸቡ ካብ መደቀሲኦም ከይወጽኡ ንኹሎም ኣብ ራብዓይ ደርቢ ዝነበሩ ከምዝተሓበሮም ጠቒሱ።
"ብሰኑይ ካልኣይ ግዜ መርመራ ምስ ተገበረልና ክልተ ሰባት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረክቦም ሓቢሮምና። ካብኦም ኮሎምብያዊ ተቐዳዳማይ ፈርናንዶ ጋቪራ ምዃኑ'ውን ፈሊጥና" ይብል ናትናኤል።
"ካብዚ ኮሮናቫይረስ ነጻ ምህላውና ተረጋጊጹ እንከሎ ክሳብ መጋቢት 14 ንምንታይ ኣብዚ ተፈሊና ክንጸንሕ ተወሲኑ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፡ ካብዚ ዝቐነናዩ ንላዕሊ ዓቕሊ ገይርና ክንጽበ ኣዝዩ ከቢድና።"
ኣብዚ ውድድር ምስ ጋንታ ኣስታና ዝወዳደር ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ'ውን ተሳቲፉ ነይሩ እዩ።
"መርሃዊ ቅዱስ ምስ ጋንትኡ ኣስታና ኣብ ሻዱሻይ ደርቢ'ዩ ነይሩ ሰንበት ውጽኢት መርመራ ምስ መጽአ ኪዱ ስለዝተብሃሉ ናብ ካልእ ውድድራቱ ከይዱ'ሎ" ይብል ናትናኤል።
"ዘለናዩ ሕማቕ'ዩ ኳሕከዊሖም ቁርሲ ምሳሕ ድራር ይህቡና፡ ካብዚ ዘለናዮ ክፍሊ ኣይንወጽእን ኢና፡ ጂም መሐንበሲ እቲ ሆቴል ዘለናዮ ተዓጽዩ'ዩ ዘሎ፤ ንስፖርታዊ ከምዚ ገይርካ ክትሕዝ ኣዝዩ ዘሕፍር'ዩ፤ ዘለናዩ ኩነታት ናብ ኩሉ ሓቢርና ኢና፡ ኣነ'ውን ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ሓቢረ ኣለኹ፡ ብኣዋርሕ ዝሃነጽናዮ 'ኮንድሽን' ንኽልተ ሰሙን ኣብ ሓደ መንቀሳቀሲ ዘይብሉ ክፍሊ ተዓጺኻ ክፈርስ ዘሕዝን'ዩ" ኢሉ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኢማራት ዓረብ ካብቶም ኮሮና ቫይረስ ዝተረኸቦም ክልተ ሩስያውያን፡ ክልተ ኢጣልያውያን፡ ሓደ ጀርመናውን ሓደ ኮሎምብያዊን ምኳኖም ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ሚኒስትሪ ብምስዓብ "እዞም ሽዱሽተ ሰባት ምስቶም ክልተ ቀዳሞት ግዳያት ምትእስሳር ነይርዎም እዩ'" ኢሉ።
ካብ ዓበይቲ ዓወታት ናትናኤል ብርሃነ
2010፡ ተዓዋቲ ዙር ኤርትራ፡ ኣብ ዙር ሩዋንዳ ካልኣይ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ፡ ተዓዋቲ ሻውዓይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ።
2011፡ ተዓዋቲ ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ጋቦን፡ ሳልሳይ ተዓዋቲ ዙር ኣልጀርያ፡ ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ኣልጀርያ፡ ኣብ ዙር ሩዋንዳ ተዓዋቲ መድረኽን ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ ተዓዋቲ
2012፡ ቻምፕዮን ኣፍሪቓ፡ ተዓዋቲ ዙር ኣልጀርያ፡ ተዓዋቲ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ኣልጀርያ።
2013፡ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ግዜ ውድድር፡ ተዓዋቲ ዙር ቱርክን ተዓዋቲ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ቱርክን።
2013-2014፡ ምስ ጋንታ ኢሮፕ ካር
2014፡ ቀዳማይ ኣፍሪቃ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዙር ጋቦን።
2015፡ ቻምፕዮን ኤርትራ፡ ቻምፕዮን ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ሓሙሻይ ተዓዋቲ ዙር ኦስትርያ።
2015-2018፡ ምስ ጋንታ ኤም ቲ ኤን ኩቤካ
2016፡ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ተወዳዲሩ።
2019፡ ምስ ጋንታ ኮፊደስ ኮይኑ ይወዳደር ኣሎ።
2019፡ ቻምፕዮን ኤርትራ፡ ተሳታፊ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ