እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ናትናኤል ብርሃነ ናይ ኮፊዲስ ውዕሉ ንኽልተ ዓመት ኣናዊሑ
ምስ ጋንታ ኮፊዲስ ብምዃን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝወዳደር ዘሎ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ፡ ምስታ ጋንታ ዘለዎ ውዕል ንኽልተ ዓመት ከም ዘናውሖ ገሊጹ።
ንሱ ምስታ "ኣደናቒት" ኢሉ ዝገለጻ ጋንታ ኮፊዲስ ንተወሳኺ ክልተ ዓመታት ክጸንሕ ምዃኑ ኣዝዩ ከም ዘሐጎሶ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ጋንታ ኮፊዲስ ነቲ ዜና ኣመልኪታ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ ናትናኤል ኣብ ዓስራይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ብሉጽ ኣጥቅዓይ ኮይኑ ኣብ መድረኽ ምድያቡ ብምዝኽኻር፡ እቲ ወዲ 28 ዓመት ተቐዳዳማይ፡ ኣብቲ ንኻልኣይ ዓመት ዝተሳተፈሉ ዘሎ ዓቢይ ውድድር ካብ ዝፍልም ኣትሒዙ ብዘይምሕላል ከም ዝሰርሐ ሓቢራ።
ኣካያዲ ስራሕ ስፖርት እታ ጋንታ፡ ሰድሪክ ቫሱር ብወገኑ "ንሱ [ናትናኤል] ኣዝዩ ብሉጽ ተወዳደሪ እዩ፤ ምስ ኣባላት እታ ጋንታ ክወሃሃድ ግዜ ኣይወሰደሉን" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ "ምስ ከም ናትናኤል ዝኣመሰሉ ተቐዳደምቲ ምስራሕ ብሓቂ ዘሕጉስ እዩ፤ ናይ ሃገሩ ማልያ ዝለበሰ ተጻዋታይ ክህልወና ንኮፊዲስ ሓበን እዩ" ኢሉ።
እታ ጋንታ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ናብ 'ወርልድ ቱር' ትጽምበር ብምህላዋ፡ ንናትናኤልን ነታ ጋንታን ዝኸፍቶ ዕድላት ብሉጽ ምዃኑ እታ ጋንታ ኣፍሊጣ።
ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2019 ዝኾነ ናትናኤል፡ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ብዘርኣዮ ብቕዓት ናይቲ መድረኽ ዝበለጸ ኣጥቃዓይ ተባሂሉ ተሸሊሙ እዩ።
ንመበል 106 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ቱር ዲ ፍራንስ 2019፡ ካብ 6 ሓምለ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ ክሳብ 28 ሓምለ 2019 ክቕጽል እዩ።
ናትናኤል ብርሃነ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፍ ዘሎ እንኮ ጸሊም ኣፍሪቃዊ እዩ።