እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና ነቲ ኣብ ፓኪስታን ተራእዩ ዘሎ ወራር ኣንበጣ ንምክልኻል 100 ሽሕ ደርሆ-ማይ ከተዋፍር'ያ
ቻይና ነቲ ድሮ ኣብ ፓኪስታን ዓቢ ሃስያ ኣስዒቡ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል፡ 100 ሽሕ ደርሆ-ማይ ከተዋፍር'ያ ክብሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ፓኪስታን፡ በቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት እቲ ዝበዝሐ ዝተባህለሉ ዕስለ ኣንበጣ ድሕሪ ምውራራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዊጃ ነይራ።
ሓደ ኪኢላ ሕርሻ ከም ዝብሎ፡ ሓንቲ ደርሆ-ማይ ልዕሊ 200 ኣንበጣ ኣብ መዓልቲ ክትበልዕ ስለትኽእል ካብ ጸረባልዕ ንላዕሊ ኣድማዕቲ ክኾና ይኽእላ'የን ይብል። ይኹን እምበር ካልእ ኪኢላ ብወገኑ፡ ካብ ጸረ-ባልዕ ንላዕሊ ከድምዓ ኣይክእላን'የን ክብል ይምጉት።
እቶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣንበጣ፡ ኣብ ምብራቕ/ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዘራእትን መጋሃጫን ዓቢ ጉድኣት ኣውሪዶም ይርከቡ።
መንግስቲ ቻይና፡ ነቲ ኣብ ፓኪስታን ተፈጢሩ ዘሎ ሓደጋ ንምጽናዕ ሓደ ጉጅለ ልኢኹ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብ ዚጂያንግ ኣካዳሚ ሕርሻ ስነፍልጥት ተመራማሪ ዝኾነ ሉ ሊዝሂ፡ ደርሆ-ማይ (ዳክስ) "ባዮሎጂካዊ ኣጽዋር" ምዃነን ይገልጽ። ሓንቲ ደርሆ፡ ኣብ መዓልቲ 70 ክትበልዕ እንከላ፡ ብኣንጻሩ ሓንቲ ደርሆ-ማይ 200 ክትበልዕ ከም እትኽእል'ያ ይብል።
"ደርሆ-ማይ፡ ብሓባር ስለዝጓዓዛ፡ ካብ ደርሁት ንላዕሊ ክትኣልየን ዝቐለለ'ዩ" ክብል ንማዕከናት ዜና ቻይና ተዛሪቡ።
ክሳብ ክንደይ ኣድማዕቲ ከም ዝኾና ንምፍላጥ፡ ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዢንጂያንግ ፈተነ ክግበር'ዩ ድማ ኢሉ።
ድሕሪኡ፡ እተን ደርሆ-ማይ ናብቲ ኣጸቢቑ ዝተሃስየ ሲንድህ፡ ባሎኪስታንን ፑንጃብን ዝተባህላ ዞባታት ፓኪስታን ክላኣኻ'የን።
እቲ መደብ ሓንሳብ ምስ ተፈልጠ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ቻይና ብሰፊሑ ክዝረበሉ ቀንዩ ኣሎ።
"ኣጆኽን ደርሆ-ማይ! ብሂወትክን ክትምለሳ ተስፋ እገብር" ክብል ሓደ ቻይናዊ ኣብ ወይቦ ዝተባህለ ህቡብ ናይ ቻይና ማሕበራዊ መራኸቢ ጽሒፉ።
ይኹን እምበር፡ ሓደ ኣካል ናይቲ ጉጅለ መጽናዕትን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሕርሻ ቻይና መምህር ዝኾነን፡ ፕሮፌሰር ዛንግ ሎንግ፡ ደርሆ-ማይ፡ ኣብ ማይ ዘለዎ ከባቢ ዝነብራ ብምዃነን ኣብቲ ኣንበጣ ዝተራእየሉ ሓውሲ-ምድረበዳ ከባቢታት ኣድማዕቲ ከይኮና ይኽእላየን ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።
ኣብ ዓመተ 2000፡ መንግስቲ ቻይና ኣብ ሓደ ዞባ'ታ ሃገር ንዝተራእየ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ኣስታት 30 ሽሕ ደርሆ-ማይ ኣዋፊሩ ምንባሩ ይዝከር።
ካልኣይ ዙርያ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝቕጽል ሒደት ሳምንታት ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክቕልቀል ምዃኑ ተገሊጹ።
እቲ ድሮ ዘራእትን መጋሃጫን ዘብረሰ ወራር፡ ኣብቲ ዞባ እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ከም ዘስዕብ መርሲ ኮርፕስ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ማሕበር ግብረሰናይ ኣጠንቂቑ።