ኮሮናቫይረስ፡ ምልክታት ዝተርኣዮም 14 ኢትዮጵያውያን ናጻ ኮይኖም ተረኺቦም

ዶ/ር ኤባ አባተ

ምልክታት ኮሮናቫይረስ ተራእዩዎም ዝነበሩ 14 ኢትዮጵያውያን፡ ብዝተገበረሎም ምርመራ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ከምዝኾኑ፡ ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ ገሊጹ።

እቲ ኢንስቲትዩት ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ሰባት ኣብቲ በቲ ሕማም ዝተጠርጠሩ ሰባት ዝዕቆቡሉ ማእከል ተፈልዮም ዝጸንሑ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ትማሊ እውን ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተጠርጠረ ሰብ ናብቲ ማእከል ኣትዩ ከምዝነበረን ብዝተገበረሉ መርመራ፡ ናጻ ብምዃኑ ክወጽእ ከምዝተገበረን ዋና ዳይረክተር እቲ ኢንስቲትዩት ዶ/ር ኤባ ኣባተ ገሊጹ።

እቲ ቫይረስ ብዝፈጠሮ ስግኣት ብዙሓት መገዲ ኣየራት ናብ ቻይና ዝገብርዎ በረራ እንተቋርጹ፡ "በረራ ምቁራጽ ብሞራልን ስነ ምግባርን ልክዕ ኣይኮነን" ዝበለ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግና ሕዚ'ውን ናብታ ሃገር ዝገብሮ ጉዕዞ ቀጺሉ ኣሎ።

ንተጓዓዝቲ ድማ ግቡእ መርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ እቲ መገዲ ኣየርን ኢንስቲትዩት ጥዕናን ገሊጾም።

መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ሓዊሱ፡ ናብታ ሃገር መእተውን መውጽእን ዶባት ሙቐት ናይ ምልካዕ ስራሕቲ ይካየድ ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ኢንስቲትዩት፡ ካብ 14 ጥሪ /2012 ዓ.ም ክሳብ 2 ለካቲት 2012 ዓ.ም፡ ንልዕሊ 172 ሽሕ ተጓዓዝቲ መርመራ ሕማማት ኢቦላን ቫይረስን ከምዝተገበረሎም ገሊጹ።

ብተወሳኺ ካብ ቻይና ንዝመጹ ተጓዓዝቲ፡ ካብ ሙቐት ምልካዕ ብተወሳኺ ምልክታት እቲ ቫይረስ ናይ ዝተርኣዮም ሰባት ኩነታት ጥዕና ናይ ምክትታል ስራሕ ተጠናኺሩ ቀጺሉ ከምዘሎ ዶ/ር ኤባ ተዛሪቡ።

ካብ ቻይና ዝመጹ ተጓዓዝቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ኣድራሸኦም ተመዝጊቡ፡ ን 14 መዓልቲታት ክትትል ከምዝግበረሎምን፡ ዛጊድ ናብቲ ትካል ዝበጽሑ 39 ጥቆማታት ግቡእ ምጽራይ ከምዝገበረሎም ዶ/ር ኤባ ሓቢሩ።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተርኣየሎም ሃገራት ኣብ ዝመጹ ሰባት ከም ረስኒ፣ ሰዓል፣ ናይ ትንፋስ ምቁርራጽ ጸገምን እንትረኣይ፡ ቀልጢፎም ካብ ክፍሊት ናጻ ናብ ዝኾኑ መስመራት ስልኪ ደዊሎም ከፍልጡ ብዝተዘርገሐ መስርሕ መሰረት ብዙሓት ጥቆማታት ከምዝበጽሑዎ 'ውን እቲ ኢንስቲትዩት ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ዘለወን ክልላት በቲ ቫይረስ ዝተጠርጠሩ ሰባት ዝዕቆቡሎም ማእከላት ከዳልዉ ምዃኖምን ፈላማይ ጉጅለ ናብ ሃዋሳ ከምዝተልኣኹን 'ውን እቲ ኢንስቲትዩት ሓቢሩ።

ዛጊድ በቲ ቫይረስ ልዕሊ 1 ሽሕ ሰባት እንትሞቱ፡ ልዕሊ 43 ሽሕ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉን ልዕሊ 4 ሽሕ ሰባት ድማ ካብቲ ሕማም ከምዝደሓኑን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ ኣሎ።