ብሰንኪ ርጎድ ካብ 'ቢዝነስ ክላስ' ዝተሰጎጋ ኣዶን ክልተ ደቃን

ክብደት መጉደሊ መጥባሕቲ ንምግባር ኣብ ታይላንድ ዝነበራ ሬነልን ቴረን፡ ኦክላንድ ናብ ዝርከብ ገዝአን ዝመልሰን ናይ 11 ሰዓታት ናይ ኣየር በረራ፡ ኣብቲ ምቾት ዘለዎ 'ቢዝነስ ክላስ' ኮይነን ክጓዓዛ ተሃንጥየን ነይረን።

ኮይኑ ግና፡ እዘን ክልተ ኣሕዋትን ኣዲአን ሁሃናን ኣብቲ መዕረፎ ነፈርቲ ዘጓነፈን ኣዝዩ ስምዒተን ዝተንከፈ እዩ ነይሩ።

ሰራሕተኛታት መገዲ ኣይር ታይላንድ መዐቀኒ ሜትሮ ሒዞም ብመምጻእ "ኣዝየን ገዘፍቲ'' ስለዝኾና ኣብ ቢዝነስ ክላስ ክኣትዋ ከምዘይክእላ ነጊሮምወን።

እቲ "ዘናድድ" ኢላ እትገልጾ ተጓንፎ፡ ዋላ'ኳ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ዘጋጠመ እንተኾነ፡ ጓል 59 ዓመት ሁሃና ሕዚ'ውን ብዝዘከረቶ ቑጽሪ ኣዝዩ ከምዘሕርቓ ትዛረብ።

"እቶም ሰራሕተኛታት ደጋጊሞም ብዓውታ 'ገዘፍቲ እየን፡ ገዘፍቲ እየን' ይብሉ ነይሮም። ኣብቲ መእተዊ ተሰሊፎም ዝነበሩ ሰባት፡ እቶም ሰራሕተኛታት እንትዕቅኑና ይርእዩ ነይሮም። ዝተገበረልና ኣተሓሕዛ ኣዝዩ ዘሕፍር እዩ ነይሩ፤ በኽየ እየ 'ውን" ብምባል ትዝክር።

ምስቶም ሰራሕተኛታት ዝነበረ ብቋንቋ ናይ ምርድዳእ ጸገም ተሓዊስዎ፡ ኣብ 'ኢኮኖሚ ክላስ' ኮይነን ክበራ ተገዲደን።

ሁሃና፡ ከምቲ ብመገዲ ኣየር ታይላንድ ኣብ ባዕላን ደቃን ዝበጽሐ ስነ-ልቦናዊ ጉድኣት ከይበጽሓ ስለእትፈርሕ፡ ክብደት ክሳብ ምንካይ ብኣውሮፕላን ከምዘይትጓዓዝ ትዛረብ።

መብዛሕተኦም መገዲ ኣየራት ንረጎድቲ ሰባት ዝኽውን ነዊሕ መዕጥቖ መንበር የቕርቡ እዮም። እቲ መገዲ ኣየር ግን ንገዘፍቲ ሰባት ዝኸውን መዕጥቖ ኣብ ክፍሊ ቢዝነስ ከምዘይብሉ ይገልጽ።

እተን ስድራ ነቲ ዘይተጉዓዛሉ ክፍሊ ቢዝነስ፡ ዝኸፈለኦ ገንዘብ ክምለሰለን ነቲ መገዲ ኣየር ሓቲተን ዛጊድ ከምዘይሰለጠን 'ውን ይዛረባ።

ነቲ ጉዕዞአን ዘሳለጠለን ወኪል ብወገኑ፡ ሰባት ብኽብደቶም ምኽንያት ካብ ክፍሊ ኢኮኖሚ ናብ ቢዝነስ ክኣትዉ ከምዝግዱ ኢና እንፈልጥ ብምባል ብመገዲ ኣይር ታይላንድ ዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዘገረሞ ተዛሪቡ።

መብዛሕተኦም መገዲ ኣየራት፡ ሓደ ሰብ እቲ ዝቕመጠሉ ወንበር ኣይኣኽለንን ኢሉ እንተሓሲቡ፡ ተወሳኺ ትኬት ክገዝእ ከምዘለዎ ይገልጹ።