ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ስፍራ ኣምልኾ ተዛሚዱ ብዘተልዓለ ጎንጺ 7 ሰባት ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, Addis Ababa Mayor Office
ሰሉስ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ 'ሃያ ሁለት' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ፡ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ክልተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ።
ነዚ ስዒቡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መግለጺ ዝሃበ ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ፡ ምስቲ ጎንጺ ተኣሳሲሩ 7 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ተዛሪቡ።
ካብ ሞንጎ እቶም ጥርጡራት ገለ ኣመራርሓ መንግስቲ ከምዝርከቡዎም ድማ ሓቢሩ።
መንነት ናይቶም ሓለፍቲ መንግስቲ ግን ብግልጺ ኣይጸርሐን።
ኣብቲ ጉዳይ ኢዶም ዝሓወሱ ኣካት ብሕጊ ክሕተቱ እዮም ድማ ኢሉ።
ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፡ ሃገረ ስብከት ኣዲስ ኣበባ፡ ሓላፊ ምምሕዳር ካህናት ዝኾኑ መልኣከ ህይወት ኣባ ወልደየሱስ ሰይፉ ንቢቢሲ ከም ዘረጋገጽዎ፡ በቲ ጎንጺ ክልተ መንእሰያት ብጥይት ክቕተሉ እንከለው፡ ካልኦት ድማ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ደቂሶም ኣለው።
መበገሲ እቲ ጎንጺ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሓደ ዝተሓጸረ ስፍራ ምዃኑ ንቢቢሲ ዝሓበሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ፖሊስ ንምንታይ ነቲ ስጉምቲ ብለይቲ ክወስዶ ከም ዝመረጸ ሕቶ ኮይኑዎም ምህላው ተዛሪቦም።
መልኣከ ህይወት ኣባ ወልደየሱሰ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ንቢቢሲ ክዛረቡ ከለው፡ "ንመንፈሳዊ ክብረ በዓል ምድላዋት እናተገበረ፤ እቲ ሕብረተሰብ ጸሎት እናገበረ እንከሎ እዩ ከባቢ ፍርቂ ለይትን ፈረቓን ፖሊስ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ጀሚሩ" ኢሎም።
ዋንነት እቲ ስፍራ ብዝምልከት፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ሕቶ ቀሪቡሉ ኣብ ግዚኡ ብዝነበረ ምቅይያር ሰበስልጣን፡ ምላሽ ከይረኸበ ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ ድማ ሃገረ ስብከት ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ደብዳበ ነቲ ወረዳ ጽሒፉ ይከታተሎ ምንባሩ ሓቢሮም።

ንሶም ወሲኾም፡ ስድራቤት ናይ'ቶም በቲ ፍጻመ ዝሞቱ መንእሰያት ብምርካብ ከም ዘጸናንዑን ነቶም ማheሰይቲ ዝወረዶም'ውን ንምርካብ ይፍትኑ ምህላዎም ተዛሪቦም።
ቢቢሲ ነቲ ብልክዕ ዘጋጠመን ዝበጽሐ ጉድኣትን ንምጽራይ ናብ ርክብ ህዝቢ ፌደራል ፖሊስ እኳ እንተደወለ፤ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ንፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከዘራርብ እዩ ተሓቢሩ።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካ ግና ንተደጋጋሚ ጻውዒት ቴለፎንን ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ምላሽ ኣይሃበን።
ናብ ርክብ ህዝቢ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ'ውን ዝገበርናዮ ጻውዒት ቴለፎን ምላሽ ኣይረኸበን።
ለይቲ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?
ኣብቲ ብልማድ ቀበሌ 'ሃያ ኣራት' ዝበሃል ከባቢ ሃያ ሁለት፡ ረቡዕ ረፋድ ብርክት ዝበሉ ፖሊስ ይረኣዩ።
ብርክት ዝበሉ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ትካላት ንግዲ ንቡር ብዘይኮነ መገዲ ተዓጽዮም፤ ባንክታትን ሓደ ሓደ ሆቴላትን ጥራይ ኣገልግሎት ይህቡ ኣለው።

ኣብ ከባቢ እቶም ዝተዓጸው ትካላት ንግዲ ብርክት ዝበሉ ሰባት በብጉጅለ ኮይኖም ብዛዕባ እቲ ምሸት ዘጓነፈ ይዘራረቡ፤ ከባቢ 20 ዝኾኑ ጸረ ኣድማ ፖሊስ'ውን ከባቢ ሆስፒታል ቅዱስ ገብርኤል ኣለው።
ቁጽሪ ናይቶም ልባስ ፖሊሰ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸድኑ ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ሓይልታተ ጸጥታ ግና ካብዚ ይበዝሕ።
ኣብቲ ስፍራ ዝተረኸበ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ናብቲ መበገሲ እቲ ጎንጺ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ካብቲ ሆስፒታል ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝርከብ ዝተሓጸረ ስፍራ ክጽጋዕ ኮነ ስእሊ ክስእል ከም ዘይፍቀደሉ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ሓቢሮምዎ።
ሓንቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ትካል እትሰርሕ መንእሰይ ንቢቢሲ ከም ዝሓበረቶ፡ ቶኽሲ ክስማዕ ዝጀመረ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ኮይኑ፤ እቲ ቶኽሲ ንገለ ሰዓታት ከም ዝቐጸለን ብጫውጫውታ ዝተዓጀበን እዩ ነይሩ።
"ኲናት ዝተልዓለ ወይ ዕልዋ መንግስቲ ዝተኻየደ እዩ መሲሉኒ" ትብል እታ መንእሰይ ኣብቲ እዋን ዝተሰምዓ ክትገልጽ ከላ።
ካብቶም ኣብቲ ስፍራ ኮይኖም ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ዘለው ሰባት ሓደ፡ ኣብቲ ስፍራ ሓድሽ ዝመንጨወ ጸበል ምህላውን ኣብኡ ቤተ ክርስትያን ክስራሕ ምዃኑ ከም ዝሰምዐን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ይኹን 'ምበር፡ ሰሉስ ለይቲ እቲ ስፍራ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ከም ዝተትሓዘን ዝተሓጽረን ዝገልጹ ኣካላት ጸጥታ ነቲ ሓጹር ከፍርስዎ ምስ ጀመሩ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከም ዝተጓነጹ ተገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







