ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ኮቢ ብርያንት ብሓደጋ ሂልኮፕተር ሞይቱ

ደገፍቲ ኤልኤ ሌከርስ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሓዘኖም ንምግላጽ ኣብቲ ሓደጋ ዝበጸሐሉ ከባቢ ዝተኣከቡ ደገፍቲ ኤልኤ ሌከርስ

ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ዓለም ኣመሪካዊ ኮቢ ብራያንት ዝርከቦም ትሸዓተ ሰባት ብሓደጋ ሂልኮፕተር ሞይቶም።

ካብ ሞንጎ እቶም ዝሞቱ፡ ጓል 13 ዓመት ጓሉ ጊያናን ከምዝኾነት'ውን ተፈሊጡ።

እቲ ወዲ 41 ዓመት ብናይ ውልቁ ሂልኮፕተር እናተጉዓዘ፡ እታ ሂልኮፕተር ኣብ ካላብሳስ ካሊፎርንያ ከምዝወደቐትን ዝደሓነ ሰብ ከምዘየለን ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ሓቢሩ ኣሎ።

ሓሙሽተ ግዘ ጽዋዕ ኤንቢኤ ((NBA) ዝወሰደ ብርያንት፡ ሙሉእ ግዚኡ ምስታ ካብ 1996 ማልያኣ ወድዩ ዝጻወተላ ህብብቲ ክለብ ኤል-ኤ ሌከርስ ዝተጻወተ ኮይኑ፡ ካብቶም ኣብ ታሪኽ እቲ ስፖርት ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ተጻወትቲ እዩ።

ብሞት እቲ ተጻዋታይ ዝሓዘኑ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ሓዘኖም እናገለጹ ኮይኖም፡ ኣብቲ ኣብ ስታድዮም ሎስ ኣንጀለስ ሌከርስ ዝካየድ ዘሎ ሽልማት ግራሚ ድማ ዝኽሪ ተገይሩሉ።

ነቲ መድረክ እትመርሕ ድምጻዊት ኣሊሽያ ኪስ "ሎሚ ሎስ ኣንጀለስ፣ ኣመሪካን ዓለምን ሓደ ጅግና ስለዝተፈለየና አዐሪና ሓዚንና ኣለና። ኣብቲ ኮቢ ብርያንት ዝሃነጾ ገዛ ብሓያል ሓዘን ጠጠው ኢልና ንርከብ" ኢላ።

ማሕበር ኩዕሶ ሰኪዔት ኣሜሪካ (NBA)፡ ብሞት ብርያትን ጓሉን ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹ ኣሎ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

Presentational white space

ብርያንት መን እዩ?

ብርያንት፡ ኣብ 2016 ምጽዋት ክሳብ ደው ዘብል፡ ኣብ ናይ 20 ዓመታት ናይ ኩዕሶ ሰኪዔት ዘመኑ ኣብታ ንዓበይቲ ክብርታት ዘብቅዓቶ ጋንታ ሎስ ኣንጀለስ ሌከርስ ጥራሕ እዩ ተጻዊቱ።

ኮቢ ብርያንት ኣብ 2008 ዝኸበረ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ዓለምና ተባሂሉ ምሽላሙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክልተ ግዜ'ውን ክሳብ ናይ መወዳእታ ተወዳዳራይ 'ኤምቪፒ' ተረቚሑ እዩ። ብዘይካ'ዚ ክልተ ግዘ ተሸላሚ ብዙሕ ሸቶ፡ ክልተ ግዘ ድማ ሻምፒዮን ኦሎምፒክን ኣሳኺዑ እዩ።

ኮቢ ብርያንት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኮቢ ብርያንት

ኣብ 2006 ምስ 'ቶሮንቶ ራፕተርስ' ኣብ ዝነበሮም ጸወታ ዘመዝገቦ 81 ነጥቢታት ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ ሰኪዔት 'ኤንቢኤ' እቲ ካልኣይ ዝላለ ኣብ ሓደ ጸዋታ ዝተመዝገበ ነጥቢ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ 2018 ድማ ብዘፈር ሓጺር ተንቀሳቓሲ ፊልም፡ ተዓዋቲ ኦስካር ኮይኑ እዩ።

ብርያንትን በዓልቲ ቤቱ ቫኒሳን፡ ናታልያ፣ ብያንካን ካፕሪን ዝበሃላ ካልኦት ሰለስተ ቆልዑ ኣለወኦም።

ሓቢሮምዎ ዝተጻወቱ ኦኔልን ዶረን ዊልያምን፣ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ዩስያን ቦልትን ካናዬ ዌስትን ሓዊሱ ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ዝፍለጡ ሰባት ዝተሰመኦም ሓዘን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይገልጹ ኣለው።

Skip Instagram post
ንትሕዝቶ Instagram ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Instagram ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Instagram ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of Instagram post

Presentational white space
Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

Presentational white space
ዝሓዘኑ ደገፍቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters