ሩስያ፡ ኣብ ሓደጋ ነፋሪት ማላዥያ ኤምኤች17 ኢድ ኣለዎ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እታ ኣብ 2014፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዩክሬን ወዲቓ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት 'MH17' ተባሂላ እትጽዋዕ ነፋሪት ማላዥያ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሩስያ ኢድ ከምዝለዎም ሓንቲ ኣህጉራዊት መርማሪት ጉጅለ ኣመልኪታ።
ጸብጻብ እቲ ሓድሽ ምርመራ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቫላሚን ፑቲን፡ ምስቶም ኣብ ልዕሊ እታ ነፋሪት ሓደጋ ኣብጺሖም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ዳበይ ተዋጋእቲ፡ ኣብቲ እዋን ቀጥታዊ ርክብ ስልኪ ይገብር ነይሩ ተባሂሉ እዩ ዝኸስስ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ነቲ ሓድሽ ጸብጻብ ነጺጉዎ።
ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትር፡ ማርያ ዛካሮቫ፡ እቶም ዓለምለኻውያን መርመርቲ እቲ ሓደጋ ቀዲሞም ንዝኣመትዎ ጥርጣር ንምርጓድ ጥራሕ ተጠቒሞምሉ ክብል፡ ኮነ ተባሂሉ ዝተበለጽሉ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
እቶም መርመርቲ ካብ ደባይ ተዋጋእቲ ዩክሬይን ኣርባዕተ ሰባት ተሓተትቲ ክገብሩ እንለው፡ እዞም ጥርጡራት ኣብ መያዝያ 2020 ምናልባሽ ኣብ ዘይለውሉ ክፍረዶም እዩ።
እቲ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ጉጅለ ምርመራ፡ ንሩስያ ብቐጥታ ኣይኮነን ምስ'ቲ ሓደጋ ተሓታቲት ዝገብራ ዘሎ።
እንተኾነ፡ ካብ መንጎ 'ቶም ኣርባዕተ ተሓተትቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስታ ነፋሪት ዝጎዓዙ ንዝበረሩ ኣባለት ጉጅለ ሰራሕተኛታትን ተሳፈርትን ቅትለት ፈጺሞም ዝበሎም ክልተ ጥርጡራት ርክብ ነይሩዋ ብዝብል እዩ።
እዚ ድማ ካብ ዝርርብ ስልኪ ዝተረኸበ መረዳእታ መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ እቲ ጉጅለ የረድእ።
ካብቲ ተረኺቡ ዝተብሃለ ዝርርብ ስልኪ፡ ሓደ መራሒ እቲ ደባይ ዋጋአይ፡ "ትእዛዝ ዝቕበል ዘለኹ ካብ ሓንቲ ሃገር ሩስያ እየ፤ ናታቶም ድሌት ድማ እፍጽም" ዝብል ይርከቦ።
እቲ ጉጅለ ምርመራ ተሓታቲ ዝገበሮ ጉጅለ፡ ስርሒት ሩስያ ዝኾነን፡ ክጥለፍ ዘይኽእልን ዓይነት ቴሌፎን ይጥቀሙ ከምዝነበሩ ወሲኹ ሓቢሩ።
ብቑጽሪ በረራ 'MH17' እትፍለጥ ዝነበረት ነፋሪት ማለዥያ፡ 283 ገያሾን 15 ሰራሕተኛታታን ለኪማ ድሕሪ ምሕምሻሻ መንግስቲ ዩክሬንን ተቓወምቱን በቲ ጉዳይ ንሓድሕዶም ክኸሱ ከምዝጸንሑ'ዩ ዝግለጽ።
ዕላማ እዚ ብኔዘርላንዳዉያን ክኢላታት እትምራሕ ኣህጉራዊት መርማሪት ጉጅለ ነቲ ሓደጋ መን ተሓተታኢ ከምዝኾነ ንምጽራይ እዩ።
መንግስቲ ሩስያ ግን፡ እቲ ይካየድ ኣሎ ዝተባህለ ምጽራይ ኣይቕበሎን፤ ነታ ሃር ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ንምጽላም ዝዓለመ ሽርሒ እዩ ዝብሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







