ኣብ ጎንደር ብዘጋጠመ ሓደጋ 3 ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 10 ሰባት ሞይቶም

ትማሊ ኣብ ጎንደር በዓል ጥምቀት ይኽበረሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ ግዜያዊ መድረኽ ካብ ዝሞቱ 10 ሰባት፡ እተን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ሓላፊ መምርሒ ህንጸት ሰላምን ድሕነት ሰላምን እታ ከተማ ኣይተ ተስፋ መኮነን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

በቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝበጽሖም ልዕሊ 147 ሰባት ናብ ሆስፒታል ከምዝተልኣኹን እቶም 67 ሕክምና ረኺቦም ናብ ገዝኦም ከምዝተመለሱን ወሲኹ ገሊጹ።

ካብ ግዳያት እቲ ሓደጋ 80 ዝኾኑ ሰባት ክሳብ ሕዚ ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ። ካብኣቶም እቶ ክልተ ከኣ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝርከቡ ኣይተ ተስፋ ሓቢሩ።

በዓል ጥምቀት ክኽበር ከሎ ዕዱማት ነቲ ባህረ-ጥምቀት ካብ ዝሓሸ ቦታ ኮይኖም ንክርእይዎ ካብ ዕንጨይቲ መድረኽ ይስራሕ'ዩ።

ኣብዚ ዓመት'ውን ቁጽሪ ኣጋይሽ ክውስኽ ከምዝኽእል ብምግማት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝበለጸ ሰለስተ ካብ ዕብጨይቲ ዝተሰርሑ ግዚያዊ መድረኻት ከምዝተዳለዉ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ኣይተ ኣስቻለው ወርቁ ሓቢሩ።

ንዓመታት ነቲ መድረኽ ዝሰርሕ ዝነበረ ሃናጺ ነቲ ናይ ሎሚ ዓመት'ውን ከምዘዳለዎ ወሲኹ ገሊጹ።

"ቅድሚ ሕዚ ብተመሳሳሊ መድረኽ ኢና ኣጋይሽ ነተኣናግድ ነይርና፤ እቲ ሕዚ ዝፈረሰ ከኣ ብዙሕ ሰብ ስለዝደየቦ እዩ" ኢሉ።

ሃናጺ ናይቲ መድረኽ እንታይ ይብል?

ኣይተ ወንድም በቀለ ነቲ ኣብ ጥቓ ባህረ-ጥምቀት ዝዳለዉ መድረኽ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ከዳልዎ ምጽንሑ ይዛረብ።

ነቲ ስራሕ ተመሳሳሊ ቅዲ [ዲዛይ] ከምዝጥቀም ዝዛረብ እቲ ሃናጺ "ኣብዚ ዓመት ዘዳለኽዎ መድረኽ'ውን ልክዕ በቲ ዓሚ ዝሰራሕኹሉ ዕንጸይቲ እዩ" ክብል የረድእ።

ዝተጎድአ ዕንጨይቲ ኣብ ዝህልው ድማ ብኻልእ ከምዝትክኦ ሓቢሩ።

እታ ኣብዚ ዓመት ዝሰርሓን ሓደጋ ዘብጽሐትን መድረኽ ህዝቢ ብዘይዓቐን ስለዝደየባ ክትፈርስ ከምዝኸኣለት ይኣምን።

"ብቕድሚት ኮይንና እናሓለናያ፡ ብድሕሪ ዝመጽኡ ብዙሓት ሰባት ደይቦምዋ። ኣብኡ ዝነበሩ ኣባላት ጸጥታ ነቲ ሰብ ደው ከብልዎ ነይርዎም። እተን ካልኦት ብመጠነን ሰብ ስለዝደየበን ሓደጋ ኣየጋጠምንን" ኢሉ።

ንሱ ነታ ኣብዚ ዓመት ዝሰርሐ ኣጸቢቑ ከምዘዳለዋን ደጋጊሙ ውሕስነኣ ከምዘረጋገጸን ይዛረብ።