ዛጊት ኣርባዕተ ሰባት ዝቐተለ ሓድሽ ቫይረስ ቻይና፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዝመሓላለፍ ተረጋጊጹ

ሰብ ሞያ ሕክምና ንተሓካሚ ናብ ሆስፒታል እናወሰዱ - 17 ጥሪ 2020

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቻይና ዛጊት ኣርባዕተ ሰባት በቲ ሓድሽ ቫይረስ ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ'ሎ

ኣብ ቻይና ዛጊት ኣርባዕተ ሰባት ዝቐተለን ብቕልጡፍ ይላባዕ ዘሎን ሓድሽ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላለፍ ከምዝኽእል ሰበስልጣን ኣረጋጊጾም።

ወዲ 89 ዓመት ናይ ቀረባ ግዳይ እቲ፡ ነድሪ ሳምቡእ ዘኸትል ቫይረስ ኮይኖም ኣለዉ።

እቶም በዓል ጸጋ ዕድመ ኣብታ ንፈለማ እዋን እቲ ሓድሽ ቫይረስ ዝተረኣየላ ከተማ ዉሃን ዝነብሩ እዮም።

ቤይጂንግን ሻንጋይን ኣብ ዝርከብአን ብዙሓት ከተማታት ቻይና ልዕሊ 200 ግዳያት ከምዝመዝገቡ ተገሊጹ'ሎ።

ኣብ ግዝኣት ጉዋንግዶግ ዝተመዝገቡ ግዳያት፡ እቲ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዝመሓላለፍ ዘረጋግጽ ከምዝኾነ ሰበስልጣን ቻይና ኣፍሊጦም።

ኮሚሽን ጥዕና ምምሕዳር ከተማ ዉሃን ከምዝሓበሮ ድማ ዛጊት 15 ሰራሕተኛታት ጥዕና በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ። ሓደ ካብኣቶም ከኣ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ይርከባ።

ኩሎም ግዳያት ብፍሉይ ኣብ ዝተዳለወ ቦታ ክጸንሑን ክትትል ሕክምና ክረኽቡን ይግበር ኣሎ።

እቲ ቫይረስ ኣብታ ኣስታት 11 ሚልዮን ነበርቲ ዝርከቡላ ከተማ ዉሃን'ዩ ተራእዩ።

ኣብ ታይላንድ ክልተ፣ ጃፓን ሓደ ከምኡ'ውን ኣብ ደቡብ ኮርያ ሓደ ረኽሲ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ዝተረጋገጸ ኮይኑ፤ እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ከተማ ዉሃን ዝተጓዓዙ እዮም።

Presentational white space

መዕርፎ ነፈርቲ ሲንጋፖር፣ ሆንግ ኮንግ፣ ቶኪዮ-ጃፓን ካብ ከተማ ዉሃን ኣብ ዝመጽኡ ገያሾ መርመራ እናካየዳ እየን።

ኣሜሪካ ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሳንፍራንሲስኮ፣ ሎስ ኣንጀለስን ኒውዮርክን ጥቡቕ ምርመራ ክካየድ ውሳነ ኣሕሊፋ።

ኣወስትራልያ'ውን ካብ ዉሃን ናብ ሲድኒ ኣብ ዝግበር በረራ መርመራ ተጓዓዝቲ ተካይድ ኣላ።

Presentational grey line

ብዛዕባ እቲ ቫይረስ

  • ካብ ሕሙማት ዝተወሰደ ቅምሶ [sample] ኣብ ላቦራቶሪ ምርመራ ተኻይድሉ እዩ።
  • ሰበስልጣን ቻይናን ትካል ጥዕና ዓለምን፡ እቲ ረኽሲ ናይ ኮሮናቫይረስ ከምዝኾነ ድማ ኣብ መደምደምታ በጺሖም።
  • ኮሮናቫይረስስ ናይ እኩባት ቫይረስ ስድራ ኮይኑ፤ ቅድሚ ሕዚ ድምር ሽድሽተ ቫይረሳት ነይሩ። ኣብዚ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ከኣ ሸውዓተ ኮይኖም ኣለዉ። ናይዚኦም ድምር'ዩ ኣብ ደቂሰብ ረኽሲ ዝፈጥር።
  • ተመራመርቲ እቲ ቫይረስ ካብ እንስሳት ዝመጽአ ክኸውን ከምዝኽእል እንተኣመኑ'ኳ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዝመሓላለፍ ተርእዮታት ኣሎ
  • ምልክታቱ ድማ ረስኒ፣ ሰዓል፣ ሕጽረት ኣየርን ጸገም ምስትንፋስን እዮም
  • ሰባት ምስ እንስሳት ኣብ ዘለዎም ርክብ ጥንቃቐ ክገብሩ፤ ስጋን እንቋቑሖን ብጥንቃቐ ከብስሉ፣ ምልክታት ምስ ዝተረኣዮ ሰብ ዘለዎም ምትንኻፍ ክንክዩ

ምንጪ: ትካል ጥዕና ዓለም [World Health Organization]

Presentational grey line