እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካናዳውያን ስድራ-ቤት ግዳያት ሓደጋ ነፋሪት ዩክሬን፡ ካሕሳ ክወሃቡ እዮም
ቀዳማይ ሚኒስተር ከናዳ ጀስቲን ትሩዶ፡ ንካናዳውያን ስድራ-ቤት ግዳያት እታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተተኮሳ ሚሳይል ተሃሪማ ዝተሓምምሸት ነፋሪት ዩክሬን፡ ካሕሳ ከምዝኸፍል ኣፍሊጡ።
እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ንስደራ-ቤት እቶም ግዳያት ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞን ምስኡ ዝተታሕዘ ወጻኢታት ኣብ ምሽፋን ክሕግዞም፡ ዝተወጠነ ምዃኑ ተገሊጹ።
ጀስቲን ትሩዶ፡ እቶም ስድራ-ቤት 19,200 ዶላር ከምዝወሃቦም ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ሓይልታት እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ነታ 176 ተሳፈርቲ ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ብጌጋ ብምህራሞም፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ እንከላ ከም እተባረዐትን፡ እቶም ተሳፈርቲ ብምሉኦም ከምዝሞቱን ይፍለጥ።
ካብቶም ዝሞቱ ድማ 57 ዜጋጋት ካናዳን ካልኦት 29 ቀዋሚ መንበሪ ካናዳ ዝሓቱ ሰባት ነይሮም።
ብተወሳኺ፡ ኢራን ንስድራ እቶም ግዳያት ገንዘባዊ ካሕሳ ከምትገበረሎም ትጽቢት ከምዘለዎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ገሊጹ።
ንሱ ስድራ-ቤት እቶም ግዳያት፡ ሬሳ ስድራቤቶም ንካናዳ ክምለስ ከምዝሓተቱን፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ሬሳታት እቶም ግዳያት ንካናዳ ክምለስ ከምዝጅምር ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ፡ ንኢራን ነቲ መአከቢ መኽዘን ሓበሬታ (ብላክ ቦክስ) ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት ንፈረንሳ ክተረክቦ ከምዝሓተተን፡ እቲ ሓበሬታ ብቕልጡፍ ተመርሚሩ እቲ ጉዳይ መዕለቢ ክግበረሉን ጸዊዑ።
እታ ነፋሪት፡ ካብ ከተማ ቴህራን ምስ በረረት ድሕሪ ቍሩብ ደቓይቕ ብዝተተኮሳ ሚሳይል ተወቒዓ ከምዝወደቐት ይፍለጥ።
ኣብ መጀመርታ መራሕቲ ኢራን፡ እታ ነፋሪት ብቴክኒካዊ ጸጋማት ከምዝወደቐት ከምዝሓበሩን፡ እንተኾነ ግን ካብ ምዕራባውያን፡ እታ ነፋሪት ካብ ኢራን ብዝተተኰሰ ሚሳይል ከም ዝተሃርመት ዘረድእ ጭብጥታት ምስረኸቡ፡ ኢራን ነታ ነፋሪት ብጌጋ ከምዝሃረመታ ተኣሚና።
እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ እዋን፡ ኢራን ኣብ ዒራቕ ንዝነበረ መደበራት ኣሜሪካ ብሚሳይላት ዘጥቀዓትሉ ሰዓታት እዩ ነይሩ።
ኢራን ነቲ ኢራናውያን ዝኣከቡዎ መአከቢ መኽዘን ሓበሬታ፡ ናብ ካልእ ሃገር ኣሕሊፎም ከምዘይህቡን፡ ክኢላታት ቦይንግ ኣብቲ ዝካየድ ምርመራ ክሳተፉ ዓዲማ'ላ።