እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቆልዑ ዝርከብዎም 11 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ቱርኪ ጥሒሎም
ኣብ ምዕራባዊ ገምግም ባሕሪ ቱርኪ፡ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብምጥሓላ፡ ሸሞንተ ቆልዑን ሰለስተ ዓበይትን ስደተኛታት ሞይቶም።
ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ፡ ኣብቲ ሴሰመ ዝበሃል ከባቢ ሸሞንተ ስደተኛታት ከድሕን ክኢሉ እዩ።
ዜግነት ናይቶም ስደተኛታት ዛጊድ ኣይተፈለጠን።
ብሰንኪ ጎንጽን ማእሰርትን፡ ሃገሮም ገዲፎም ዝወጹ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ካብ ዝጥቀሙለን ሃገራት ሓንቲ ቱርኪ እያ።
ሓለዋ ገማግም ቱርኪ፡ ብቀዳም ኣብ ከባቢ እቲ ባሕሪ "ድምጺ ኣውያት" ምስሰምዑ ክረድኡ ከምዝተንቀሳቐሱ ገሊጾም።
እታ ሴስመ እትበሃል ብዑደተኛታት እትዝውተር ናይ ቱርኪ ከተማ፡ ካብታ ኪዮስ እትበሃል ብዙሓት ስደተኛታት ዝርከቡላ ናይ ግሪክ ደሴት 15 ኪሜ ርሒቓ ትርከብ።
ቁጽሪ ካብ ቱርኪ ናብ ግሪክ ዝሰግሩ ስደተኛታት ካብ ቀረባ ግዜ ንደሓር እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።
መብዛሕተኦም በዚ መስመር ዝሰግሩ ስደተኛታት፡ ካብ ኣፍጋኒስታን፣ ፓኪስታንን ሶርያን ዝመጹ እዮም።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ቱርኪ ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ስደተኛታት ዘለዉ ኾይኖም፡ እቶም ልዕሊ 3.6 ሚልዮን ሶርያውያን እዮም።
ቅድሚ እቲ ኣብ ቱርኪ ዘጋጠመ ምጥሓል ጃልባ፡ ኣብ ደቡብ-ምዕራባዊ ግሪክ፡ ካልእቲ ናይ ስደተኛታት ጃልባ ብምጥሓላ 12 ክሞቱ እንከለዉ፡ 21 ድማ ድሒኖም።
ኣብታ ጃልባ ክንደይ ስደተኛታት ከምዝነበሩን ዜግነቶምን ዛጊድ ኣይተፈለጠን።