ኣብ 2019፡ ብምውዳቕ ነፈርቲ ዘጋጥም ሓደጋ ሞት ብ50 ሚኢታዊት ነከዩ

ኣብ ዓለም ቁጽሪ ብሓደጋ ምሕምሻሽ ነፈርቲ መጓዓዝያ ዝሞቱ ሰባት ኣብ 2019 ብልዕሊ 50 ሚኢታዊት ከምዝነከየ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 257 ሞት ዝተመዝገቡ ኮይኖም፡ ኣብ 2018 ድማ 534 ኣጋጢሙ ምንባሩ ኣብ ኣቪየሽን ግልጋሎት ምኽሪ ዝህብ ቱ70 [To70] ዝተበሃለ ኔዘርላንዳዊ ትካል ብንጽጽር ኣቐሚጡ።

ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣየር ብዝለዓለ መጠንን ብቕልጡፍን ይውስኽ ኣብ ዘለሉ እዋን'ዩ እዚ ምንካይ ሓደጋታት ዝተመዝገበ።

ብ2019 ኣብ 86 ነፈርቲ ሓደጋ ከጋጥም ከሎ እቶም ሸሞንተ ኣዝዮም ዝኸፍኡ ሓደጋታት ነይሮም። በዚ ምኽንያት ድማ 257 ሞት ኣጋጢሙ።

ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁጽሪ በረራ 302 ዘኸተሎ ሞት 157 ተጓዓዝቲ፡ ነቲ ኣብ ዓለምና ብሓደጋ ነፈርቲ ዘጋጠመ ሞት ብልዕሊ ፍርቂ ይሽፍን።

እቲ ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ ካብ ሞንጎ 5.58 ሚልዮን በረራታት፡ ኣብ ሓንቲ ዓበይ ነፋሪት መጓዓዝያ ሓደጋ የጋጥም ነይሩ።

ሓደጋታት ብምክትታል ዝፍለጥ ዌብሳይት መርበብ ድሕነት ነፈርቲ (ኣቪየሽን ሴፍቲ ኔትወርክ) ብወገኑ ዝሓለፈ ዓመት "ድሕነት ነፈርቲ መጓዓዝያ ካብ ዝተሓለወሎም ዓመታት" ክብል ገሊጹ።

ኣብ 2018 ኣስታት 160 ሓደጋታት ዘጋጠሙ ኮይኖም እቶም 13 ኣዝዮም ከበድቲ ነይሮም፤ 534 ሰባት ድማ ሞይቶም።

ብቁጽሪ ሓደጋታት ዝሓሸ ወይ ድሕነቱ ዝሓለወ ዓመት ተባሂሉ ዝተመዝገበ ዓመት 2017 እዩ። ኣብቲ ዓመት ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት መጓዓዝያ [ንግዳዊ ነፈርቲ] ኣይነበረን።

ኣብ ክልተ ነኣሽቱ ነፈርቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ግን 13 ሰባት ሞይቶም'ዮም።

ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተኻተታ ነፈርቲ ብደረጃ ዓለም ዝንቀሳቐሳ ንግዳዊ ወይ ብዙሓት ዝጥቀሙለን ነፈርቲ መጓዓዝያ እየን። ኣብ ነኣሽቱን ብቐዋምነት ንቐወምቲ ሰባት ካብን ናብን ዘመላልሳን ነፈርቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብዚ መጽናዕቲ ኣይተቖጸረን።

ወተሃደራዊ፣ ንስልጠና ዝግበሩ፣ ብውልቀ ዝካየዱ፣ ናይ ጽዕነት በረራታትን ሄሊኮፕተራት'ውን በዚ መጽናዕቲ ኣይተዳህሰሳን።

ኣብ ነፋሪት ቦይንግ ማክስ 737 ሓደጋ ካብ ዘጋጥም ንደሓር ኣብ ዓመት 2019 ጥቡቕ ክትትል ድሕነት ተጓዓዝቲ ኣየር ክካየድ ክኢሉ።