ጀማል ዒድ፡ ብዕስለ ኣባላት ጸጥታ ተቀጥቒጠ ክብል ከሲሱ

ፍሉጥ ግብጻዊ ተጣባቒ መሰል ደቂ-ሰባት፡ ኣብ ከተማ ካይሮ ብሰስካሕክሕ መንገዲ ብዕስለ ኣባላት ጸጥታ ተቀጥቒጠ ክብል ከሲሱ።

ጀማል ዒድ፡ ካብ ገዝኡ ታክሲ ክሳፈር ክብል ብኩምራ ኣሰብኡት ዘይተጸበዮ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ ሓቢሩ።

ንሱ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ኣስብኡት ኣብ ሰለስተ መኻይን ኮይኖም ይጽበይዎ ከምዝነበሩ ገሊጹ። እቶም ዝሓዝዎ ዕጡቓት ድማ ብሽጉጥ ገይሮም ከምዘፈራርሕዎን ኣብ ገጹን ክዳኑን ድማ ቀለም ከምዝደፍኡሉን ሓቢሩ።

ጎረባባብቱ ክድሕንዎ ምስ ፈተኑ፡ እቶም ኣሰብኡት ብረት ኣውጺኦም ነቶም ሰባት ናብ ቦትኦም ክምለሱ ከምዝነገርዎም ጠበቕኡ ገሊጹ።

ጀማል ዒድ፡ ንመሰላት ደቂ-ሰባት ዝጣበቕ "ዓረቢ ነት-ዎርከ" ዝተባህለ ትካል ዝመርሕ ኮይኑ፡ እቶም ዝቐጥቀጥዎ ፖሊስ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ወይ ብመምርሒ ኣባላት ጸጥታ ዝተወስደ ስጉምቲ ከምዝኾነ ይገልጽ።

ቢቢሲ ካብ ሚነስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት መልሲ ንምርካብ ሓቲቱ'ሎ። ክሳብ ሕጂ ግን መልሲ ኣይረኸበን።

ሓንቲ ብመንግስቲ እትውነን መርብብ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጀማል ዒድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ኣንጻር ግብጺ ብዝሰርሑ ሓይልታት" ዝተፈጸመ እዩ ክብል ገሊጹ።

ጀማል ዒድ ግን፡ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ንዕኡ ንምፍርራሕ ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ኣብዚ ዓመት እዚ ንራብዓይ ግዜ እዩ መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ዘሎ።

ንመሰል ደቲ-ሰባት ዝጣበቕ 'ሂዩማን ራይትስ ዎች' እዚ መጥቃዕቲ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ከምዘለዎ እዩ ዝኣምን።

ብመሰረት 'ሂዉማን ራይትስ ዎች፡ ድሕሪ ምርጫ ፕረዚደንተ ዓብደል ፈታሕ ኣል-ሲሲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ምፍርራሕን፤ መጥቃዕቲን ከምኡ'ውን ኣብ ምእሳር ተቓወምቲ ሓይልታት ተወፊሮም ከምዘለው ይገልጽ።