ቻርሊዝ ቴሮን፡ ኣደይ ንኣቦይ ተኵሳ ከምዝቐተለቶ ምዝራብ "ኣየሕፍረንን"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻርሊዝ ቴሮን፡ ኣዲኣ ነብሳ ንምክልኻል፡ ንወላዲኣ ጥይት ተኵሳ ብዛዕባ ዝቐተለትሉ ህሞት ምዝራብ ''ኣየሕፍረንን'' ክትብል ተዛሪባ።
ግዙእ ኣልኮላዊ መስተ ዝነበረ ወላዲኣ፡ ናብቲ ምስ ኣዲኣ ተሓቢኣትሉ ዝነበረት ገዛ ብጠያይቲ ተኵሱ ክቐትለን ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ቴሮን ጓል 15 ዓመት እያ ነይራ።
''ብገለ ተኣምር፡ ካብተን ዝተተኮሳ ጠያይቲ ዋላ ሓንቲ ኣይሃረመትናን፤ ንነብስና ንምክልኻል ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ግን እቲ ተኹሲ ጠጠው ኢሉ'' ትብል።
''ብዛዕባ እቲ ነገር ዝያዳ እንተተዛሪብና፡ በይንና ከምዘይኮንና አዐሪና ንርዳእ'' ብምባል ትውስኽ።
ቻርሊዝ፡ ምስ ኣዲኣ ጌርዳን ኣቡኣ ቻርለስን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጥቓ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ ዓብያ።
''ጥዕና ዘይነበሮ'' ብምባል እትገልጾ ወላዲኣ፡ ብምኽንያት ኣልኮላዊ መስተ ''ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ኩነታት'' ይነብር ከምዝነበረ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወላዲኣ ''ምኻድ ክሳብ ዝኣብዮ አዐርዩ ሰኺሩ፡ ሽጉጥ ሒዙ ናብ ገዛ መጺኡ'' ብምባል ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኩነታት ትዛረብ።
" ኣቦይ ነቲ ናይ መደቀሲየይ ማዕጾ ክኽፍት ይቃለሶ ስለዝነበረ፡ ከይከፍቶ ንምክልኻል ኣነን ኣደይን ብውሽጢ ናብቲ ማዕጾ ተጸጋዕና። ሽዑ ንድሕሪት ተመሊሱ ናብቲ ማዕጾ ሰለስተ ጠያይቲ ተኵሱ። ብገለ ተኣምር ግን ዋላ ሓንቲ ጥይት ኣይሃረመትናን"
"ንነብስና ንምክልኻል ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ግን ነቲ ሓደጋ ጠጠው ኣቢላቶ''
ቻርሊዝ እቲ ኣብ ስድራ-ቤታ ዘጋጠመ ነገር ምስ ብዙሓት ሰባት እያ እትዘራረበሉ።
''ብዛዕባ እቲ ኩነታት ምዝራብ ኣየሕፍረንን'' እትብል ቻርሊዝ፡ ብዛዕብኡ ብዙሕ ኣብ ዝተዛረብኩሉ በይነይ ከምዘይኮንኩ ኣስተብሂለ ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ተዓዋቲት ሽልማት ኦስካር፡ ሓደ ዳይረክተር ፊልም ናብ ገዝኡ ንቐረጻ ዓዲሙ ግዙእ ዘይኮነ ኣካላዊ ምትንኻፍ ከምዘገበረላን ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንብራት ከምዝገደፈላን ትዛረብ።
ንሳ፡ ንጾታዊ በደል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተሳተፈትሉ 'ቦምበሼል' ኣብ እትብል ፊልሚ ክትቓለሱ ተርኢ።
እቲ ፍልሚ ዝተፈላለየ መልክዕ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈተሸ ኮይኑ፡ ንሳ'ውን ኣብ ህይወታ ዘጋጠማ ነገር ከምዝኾነ ትዛረብ።
''ኩሉሻዕ ኣካላዊ መግሃስቲ ወይ ዓመጽ ጥራሕ ኣይኮነን'' ብምባል ብዙሓት ስነ ኣእምሮኣዊ በደላት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝበጽሑ ትገልጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







