ቻርሊዝ ቴሮን፡ ኣደይ ንኣቦይ ተኵሳ ከምዝቐተለቶ ምዝራብ "ኣየሕፍረንን"

ቻርሊዝ ቴሮን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቻርሊዝ ቴሮን

ቻርሊዝ ቴሮን፡ ኣዲኣ ነብሳ ንምክልኻል፡ ንወላዲኣ ጥይት ተኵሳ ብዛዕባ ዝቐተለትሉ ህሞት ምዝራብ ''ኣየሕፍረንን'' ክትብል ተዛሪባ።

ግዙእ ኣልኮላዊ መስተ ዝነበረ ወላዲኣ፡ ናብቲ ምስ ኣዲኣ ተሓቢኣትሉ ዝነበረት ገዛ ብጠያይቲ ተኵሱ ክቐትለን ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ቴሮን ጓል 15 ዓመት እያ ነይራ።

''ብገለ ተኣምር፡ ካብተን ዝተተኮሳ ጠያይቲ ዋላ ሓንቲ ኣይሃረመትናን፤ ንነብስና ንምክልኻል ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ግን እቲ ተኹሲ ጠጠው ኢሉ'' ትብል።

''ብዛዕባ እቲ ነገር ዝያዳ እንተተዛሪብና፡ በይንና ከምዘይኮንና አዐሪና ንርዳእ'' ብምባል ትውስኽ።

ቻርሊዝ፡ ምስ ኣዲኣ ጌርዳን ኣቡኣ ቻርለስን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጥቓ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ ዓብያ።

''ጥዕና ዘይነበሮ'' ብምባል እትገልጾ ወላዲኣ፡ ብምኽንያት ኣልኮላዊ መስተ ''ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ኩነታት'' ይነብር ከምዝነበረ ትገልጽ።

ቻርሊዝ ቴሮንን ኣዲኣ ጊርዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቻርሊዝ ቴሮንን ኣዲኣ ጊርዳን ኣብ መድረኽ ሽልማት ኦስካር

ወላዲኣ ''ምኻድ ክሳብ ዝኣብዮ አዐርዩ ሰኺሩ፡ ሽጉጥ ሒዙ ናብ ገዛ መጺኡ'' ብምባል ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኩነታት ትዛረብ።

" ኣቦይ ነቲ ናይ መደቀሲየይ ማዕጾ ክኽፍት ይቃለሶ ስለዝነበረ፡ ከይከፍቶ ንምክልኻል ኣነን ኣደይን ብውሽጢ ናብቲ ማዕጾ ተጸጋዕና። ሽዑ ንድሕሪት ተመሊሱ ናብቲ ማዕጾ ሰለስተ ጠያይቲ ተኵሱ። ብገለ ተኣምር ግን ዋላ ሓንቲ ጥይት ኣይሃረመትናን"

"ንነብስና ንምክልኻል ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ግን ነቲ ሓደጋ ጠጠው ኣቢላቶ''

ቻርሊዝ እቲ ኣብ ስድራ-ቤታ ዘጋጠመ ነገር ምስ ብዙሓት ሰባት እያ እትዘራረበሉ።

''ብዛዕባ እቲ ኩነታት ምዝራብ ኣየሕፍረንን'' እትብል ቻርሊዝ፡ ብዛዕብኡ ብዙሕ ኣብ ዝተዛረብኩሉ በይነይ ከምዘይኮንኩ ኣስተብሂለ ትብል።

ኒኮል ኪድማን፣ ማርጋሬት ሮቢን ቻርሊዝ ቲሮንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እታ ተዓዋቲት ሽልማት ኦስካር፡ ሓደ ዳይረክተር ፊልም ናብ ገዝኡ ንቐረጻ ዓዲሙ ግዙእ ዘይኮነ ኣካላዊ ምትንኻፍ ከምዘገበረላን ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንብራት ከምዝገደፈላን ትዛረብ።

ንሳ፡ ንጾታዊ በደል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተሳተፈትሉ 'ቦምበሼል' ኣብ እትብል ፊልሚ ክትቓለሱ ተርኢ።

እቲ ፍልሚ ዝተፈላለየ መልክዕ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈተሸ ኮይኑ፡ ንሳ'ውን ኣብ ህይወታ ዘጋጠማ ነገር ከምዝኾነ ትዛረብ።

''ኩሉሻዕ ኣካላዊ መግሃስቲ ወይ ዓመጽ ጥራሕ ኣይኮነን'' ብምባል ብዙሓት ስነ ኣእምሮኣዊ በደላት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝበጽሑ ትገልጽ።