ጋምብያውያን ፕረዚደንት ኣዳማ መዝነቱ ከረክብ ጠሊቦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ከተማ ባንጁል ናብ ጎደናታት ዝወጽኡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ጋምብያውያን፡ ፕረዚደንት ኣዳማ ባሮ፡ ነቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝኣተዎ መብጽዓ ብምኽባር ዝቕጽል ወርሒ ካብ መዝነቱ ክወርድ ጠሊቦም።
ንሱ መራሒ ናይቶም ንምልካዊ መሪሕነት ያህያ ጃመህ ዝተቓወሙ ኪዳን ተቓወምቲ ውድባት ኮይኑ እዩ ስልጣን ሒዙ።
እቲ ኪዳን፡ ንሰለስተ ዓመት ብግዚያዊ መንግስቲ ድሕሪ ምምራሕ ምርጫ ከካይድ ምዃኑ ተሰማሚዑ ነይሩ።
ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት ግና ገለ ኣባላት እቲ ልፍንቲ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ስልጣን ግዜ ደገፎም ገሊጾም፤ እዚ ግና ብኽልተ ውድባት ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ሓንቲ ካብተን ነዚ እማመ ዘይተቐበልኦ ውድባት ዝዓበየት ውድብ ጋምብያ ምዃና እትግለጽ፡ ውድብ ሕብረት ደሞክራሲ እያ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







