ጋምብያውያን ፕረዚደንት ኣዳማ መዝነቱ ከረክብ ጠሊቦም

ፕረዚደንት ኣዳማ ባሮ መብጽዕኡ ከኽብርን ምርጫ ከካይድን ዝጽውዑ ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኣዳማ ባሮ መብጽዕኡ ከኽብርን ምርጫ ከካይድን ዝጽውዑ ሰልፈኛታት

ኣብ ከተማ ባንጁል ናብ ጎደናታት ዝወጽኡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ጋምብያውያን፡ ፕረዚደንት ኣዳማ ባሮ፡ ነቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝኣተዎ መብጽዓ ብምኽባር ዝቕጽል ወርሒ ካብ መዝነቱ ክወርድ ጠሊቦም።

ንሱ መራሒ ናይቶም ንምልካዊ መሪሕነት ያህያ ጃመህ ዝተቓወሙ ኪዳን ተቓወምቲ ውድባት ኮይኑ እዩ ስልጣን ሒዙ።

እቲ ኪዳን፡ ንሰለስተ ዓመት ብግዚያዊ መንግስቲ ድሕሪ ምምራሕ ምርጫ ከካይድ ምዃኑ ተሰማሚዑ ነይሩ።

ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት ግና ገለ ኣባላት እቲ ልፍንቲ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ስልጣን ግዜ ደገፎም ገሊጾም፤ እዚ ግና ብኽልተ ውድባት ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ሓንቲ ካብተን ነዚ እማመ ዘይተቐበልኦ ውድባት ዝዓበየት ውድብ ጋምብያ ምዃና እትግለጽ፡ ውድብ ሕብረት ደሞክራሲ እያ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post