እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
''መዓልቲ ልደተይ ዘይኮነስ፡ መስተ ዝገደፍኩላ መዓልቲ እየ ዘብዕል'' ኦሎምፒክ ሻምፕዮን ነበር ቡንገይ
ኬንያዊ ኮኸብ ጉያ ዊልፍረድ ቡንገይ፡ ሙሉእ ኣቓልቦኡ ኣብቲ ወርቂ ኦሎምፒክ ዘርከበሉ ዓውዲ ጉያ ብምግባሩ፡ ኣብ ዕለተ ውልደት ክልቲኦም ደቁ እኳ ኣይተረኸበን።
ኣብ 2010 ጉያ ደው ዘበለ እዚ ኣትሌት፡ በዓልቲ ቤቱ ኣብ 2012 ሳልሳይ ቆልዓ እንትትወልድ ግን ክርእያ ምተገበኦ ነይሩ፤ ግን ኣይተረኸበን።
ዊልፍረድ ቡንገይ፡ ጉያ ምስኣቋረጸ ሓያል ወልፊ ኣልኮል ተቐቢልዎ። ነቲ ክረኽቦ ዝግበኦ ዝነበረ እፎይታ ድማ ዘሪግዎ።
ካብቲ ጥሒልዎ ዝነበረ ዓዘቕቲ ንምውጻእ ዘካየዶ ቃልሲ ግን፡ ካብቲ ኣብ ጉያ ዝረኸቦ ዓወት ብዘይነኣኣስ ዘሐጉሶ ውጽኢት ክረክብ ክኢሉ።
''መዓልቲ ውልደተይ ዘይኮነስ፡ መስተ ዝገደፍኩሉ መዓልቲ እየ ዘብዕል'' ዝብል ወዲ 39 ዓመት ቡንገይ፡ '' ብባዕለይ ኩርዓት ይስመዓኒ፤ ህይወተይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽረይ ከምዘሎ ይስመዓኒ'' ክብል ይገልጽ።
'ኣብ ጉድጓድ ተረኺበ'
ብ 1998 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ጉያ ዝጀመረ ቡንገይ፡ ኣብ 2008 ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሎምፒክ ንጋንታ ኣትሌቲክስ ሃገሩ ብምምራሕ ተሳቲፉ። ኣብቲ ውድድር ድማ መዳሊያ ወርቂ ዓቲሩ እዩ።
ኣብ 2010 ጉያ ጠጠው ምስ ኣበለ ግን፡ ብሓያል ወልፊ ኣልኮል ተታሒዙ።
ቡንገይ፡ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ዘጋጠሞ ነገር እቲ ዝሓመቐ ኣጋጣሚ ህይወቱ እዩ። ኣብታ መዓልቲ፡ በዓልቲ ቤቱ ሳልሳይ ቆልዓ እንትትወልድ ክርከብ ነይሩዎ።
ሽዑ፡ ሰበይቱ ክትወልድ ከላ መታን ክርእያ ንእሽቶ ቮድካ ክጥዕም ኢዱ ናብ ጥርሙዝ ቮድካ ይሰድድ።
''እቲ ዝኸውን ነገር ንምርኣይ ድፍረት ክረክብ ሓደ ክልተ ብርጭቆ ክጥዕም'' ምባሉ ይዝክር።
ከምቲ ዝሓሰቦ ግን ኣይኮነን።
''ንእሽቶ ክጥዕም ኢለ እየ ሓሲበዮ ነይረ። ኮይኑ ግና ኣብ ሓጺር ሰዓት ልዕሊ ሓደ ሊትሮ ቮድካ ሰትየ። ድሕሪኡ እንታይ ከምዝተፈጠረ ኣይዝክርን። ኣብ ውሽጢ ጉድጓድ ከምዝተረኸብኩ ጥራሕ እየ ዝፈልጥ'' ዝብል ቡንገይ፡ ''ሰባት እኳ ዝሞትኩ እዩ መሲሉዎም ነይሩ'' ክብል ይዝክር።
መሓዛ ቡንገይ ዝኾነ ፈላማይ ኬንያዊ ተዓዋቲ ማራቶን ኦሎምፒክ ሳሚ ዋንጂሩ፡ ቅድሚ ዓመት ኣብ ገዝኡ እናሰትየ ካብ 'ባልኮኒ' ወዲቑ ህይወቱ ሓሊፉ እዩ። ኣብ ደሙ ብዙሕ ኣልኮል ከምዝተረኸበ'ውን ይዝረብ።
ኣብ ብዙሓት ኬንያውያን ኣትሌታት ናይ ኣልኮላዊ መስተ ባህሊ ከምዘሎ ይዝረብ። እንተኾነ ገሊኦም ግዙኣት ናይዚ ወልፊ፡ ነቲ ሓቂ ከምዝኽሕዱዎ ቡንገይ ይገልጽ።
ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ሓጓፍ ንምምላእ ከምዝተቓለሰ ዝገልጽ ጎያያይ ነበር 800 ሜትር ቡንገይ፡ ነቲ ናይ ሙሉእ ግዘ ናይ ጉያ ስርሑ ደው ምስ ኣበለ፡ ዝረኸቦ ነዊሕ ናይ ዕረፍቲ ሰዓታት ብኣግባቡ ምጥቃም ከቢድዎ ከምዝነበረ ይሕብር።
ብዛዕባ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ደፊሩ ክዛረብ ዝወሰነ እዚ ኣትሌት ''ካብ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ንምድሓን እቲ ዝሓሸ መገዲ ናብ 'መሕወዪ ማእከላት' ምእታው እዩ፡ ብዙሓት ወሉፋት ግና ናብ ሕክምና ክኸዱ ኣይደልዩን'' ይብል።
'ደቀይ ይፈርሑኒ ነይሮም'
ቡንገይ፡ ግዙእ መስተ ምስኮነ ደቁን ሰበይቱን ክቐርቡዎ ይፈርሑ ከምዝነበሩ ይዝክር።
ደቁ ኣብ ዝዝውራ መኪና ክኣትዉ 'ውን ይሰግኡ ምንባሮም እዚ ተዓዋቲ መዳሊያ ብሩር 'ወርልድ ሻምፕዮንሺፕ' 2001ን ሜዳሊያ ነሓስ 'ወርልድ ኢንዶርስ' 2003ን ይገልጽ።
ሓደ መዓልቲ ሓደጋ መኪና ምስኣጋጠሞ ድማ ወዱ ''ኣቦ (እንትሰቲ)፡ እቲ ዘጋጥም እዚ እዩ'' ክብል ከምዝተዛረቦ'ውን ይዝክር።
'ኣልኮል ክገድፍ ዝገበረኒ ኣጋጣሚ'
ኣልኮላዊ መስተ፡ ንቦንገይ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሃስያ ኣውሪዱሉ እዩ።
''ኣልኮላዊ መስተ ኣካላዊ ቃንዛ ዝፈጥረልካ ሰዓት ይመጽእ እዩ'' ብምባል ናይ ምሕኻኽ፣ ፍርሓት፣ ምርሃጽን ሃተፍተፍ ምባልን ከምዘጋጠሞ ይገልጽ።
እዞም ኣጋጣሚታት ድማ ኣልኮላዊ መስተ ይኣኽለኒ ክብል ገይሮምዎ።
መስከረም 2012 ናይሮቢ ናብ ዝርከብ ማእኸል ሕክምና ዝኣተወ ቦንገይ፡ ንሽዱሽተ ሰሙናት ኣብቲ ማእከል ጸኒሑ፤ ድሕሪኡ ድማ ኣልኮል ዝበሃል ኣይሰተየን።
ቡንገይ፡ ስፖርተኛታት ካብ ስፖርት መስተገለሉ፡ ዝረኽብዎ ግዘ ምጥቃም ከምዝኸብዶም ተረዲኡ እዩ።
''ኣትሌት እናሃለኹ፡ ካብ 13 ክሳብ 14 ንዝኾኑ ዓመታት፡ ዓመታዊ 20 መዓልቲ ጥራይ እየ ዝዓርፍ ነይረ። ጉያ ምስገደፍክዎ ግና ብዙሕ ዝሰርሖ ነገር ኣይነበረን'' ይብል።
''ኣብ ገዛ ኮፍ ኢለ ጥርሙዝ ወይኒ ይእዝዝ፤ ከይፈለጥኩዎ ይውዳእሞ መሊሰ ካሊእ ይእዝዝ። ከምዚ እናበለ ኣብ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ህይወተይ ተበላሽዩ'' ክብል ይዝክር።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ እቲ ጥዑም ጠባይ ዘለዎ ቡንገይ፡ ካልኦት ኣትሌታት ካብ ተመሳሳሊ ጸገም ክወጹ ኣብ ምሕጋዝን፡ ካብ ጉያ ንዝግለሉ ድማ ምኽሪ ኣብ ምሃብን እናነጠፈ ይርከብ።