እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብመጋዝ እግሩ እንትቑረፅ፡ ረዳኢ ዝሰኣነ ደቡብ ኣፍሪካዊ ኣትሌት
ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣትሌት፡ ብጉሓሉ እግሩ ተቖሪፁ። እዚ ኣትሌት ሰባት ንክረድእዎ ዋላ እኳ ሰለስተ ግዘ ኣእወዩ እንተነበረ፡ ሰማዒ ከምዘይረኸበ ምስኡ ዝለማመድ መሳርሕቱ ሓቢሩ።
ሳንዲል ሻንጌ ንቢቢሲ ከምዝገለፆ፡ እዞም ነዚ ስፖርተኛ ዘጥቅዑ ሰለስተ ጉሓሉ፡ ንመህለንጊ ግዋላ ድሕሪ ምውቃዕ፡ እግሩ ብመጋዝ ምቑራፅ ጀሚሮም።
"ሞባይሉ ንምውሳድ ኣይኮኑን ደልዮም፣ ሰዓቱ ኣይደለዩን፣ ሳይክሉ እውን ኣይወሰድዋን.... ሱቕ ኢሎም እዮም ኣብ ማእኸል ሜዳ ኣጥቂዖሞ" ክብል ገሊፁ።
እዚ ኣትሌት ነቶም ጉሓሉ "ንምንታይ እግረይ ትቖርፁኒ ኣለኹም?" ብምባል ዋላ እኳ እንተሓተቶም፡ ስቅያት ስለዝሓየሎ ሰባት ንክሕግዝዎ ኣእውዩ እዩ።
"ግና ንጉሆ ስለዝነበረ፡ ሓደ ሰማዒ ኣይረኸብኩን" ይብል።
ካብ ጉሓሉ ከምልጥሉ ዝኽእል ዕድል ዝሰኣነ ግዋላ፡ እዚ መጥቃዕቲ ብሓደ እግሩ ኣየብቅዐን፡ እቶም ጉሓሉ ካልኣይ እግሩ እውን ንክቖርፁ ተረባረቡ ደኣ እንበር።
ነዚ ግና ክፃወር ኣይከኣለን። ሓይሉ ፀንቂቑ፡ ንዓቶም ብምድፋእ፡ ናብ ወሰን ፅርግያ ስለዝወፅአ፡ ሓደ ሓላፊ መገዲ ናብ ሆስፒታል ደርባን ወሲድዎ።
ከም ዕድል ኮይኑ፡ ዶካተር ናይዚ ኣትሌት መሊኡ ዘይተቖረፀ እግሪ ንምድሓን ሙሉእ ተስፋ ሓዲርዎም ኣሎ።
እዚ ኩነታት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ግና ነዊሕ ግዘ ከምዝወስድ፡ ሳንዲል ሻንጌ ሓቢሩ።
ክሳብ ሕዚ መበገሲ እዚ መጥቃዕቲ ግልፂ ብዘይምዃኑ፡ ምርመራታት ፖሊስ እናተኻየዱ እዮም።