'ማራቶን ኣስመራ' ኤርትራዊ ኣትሌት መሓሪ ጸጋይ ተዓዊቱ

ሎሚ ኣብ ኣስመራ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ 'ኣስመራ ማራቶን' ዝተሰመየ ውድድር ተኻይዱ።

ኤርትራዊ ኣትሌት መሓሪ ጸጋይ ኣብ ማራቶን ኣመዝጊብዎ ዝነበረ ግዜ ብምምሕያሽ ንመወዳድርቱ ማሕዲጉ ብምእታዉ ንውድድሩ ብ2 ሰዓት 14 ደቒቕን 30 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ዕዉት ሽዱሸተ ሽሕ ዶላርን ወርቒ መዳልያን ኮይኑ።

ንመሓሪ ጸጋይ ብምስዓብ ኢትዮጵያዊ ታደሰ ኣሰፋው ካብ መሓሪ ጸጋይ 3 ደቒቕን 9 ካልኢትን ድሒሩ ብምእታው ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ 4000 ዶላር ተሽሊሙ።

ኤርትራዊ ፔትሮ ማሞ ሳልሳይ ብምውጽኡ 3000 ዶላር ተሸሊሙ፡ ኤርትራ ድማ ወርቕን ነሓስን መዳልያ ክትረክብ ክኢላ።

ኣብዚ ውድድር ራብዓይ፡ ዑቕበ ጸጋይ፡ ሓሙሻይ ዳበሳይ ደሳለ፡ ሻዱሻይ ኬንያዊ ኮስማስ ምትኩ፡ ሻውዓይ ኡጓንዳዊ ኣየኮ ናታን፡ ሻሙናይ ክብሮም ገብረእግዚኣብሄር፡ ዓስራይ ተስፋህይወት ገብረትንሳኤ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ፍርቂ ማራቶን፡ ናዝሬት ወልዱ ንውድድራ ብ 1 ሰዓትን 18 ደቒቕን 6 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ብኣዳለውቲ እዚ መደብ ንዝተዳለወ 45 ሽሕ ናቕፋ ሽልማት ተቐቢላ።

ንናዝሬት ወልዱ ስዒበን ኮኾብ ተስፋጋብርን ስምረት መርሃውን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።

ኣብዚ ውድድር ካብ ሃገራት ኬንያ፡ ኡጓንዳ፡ ታንዛንያ፡ ድቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝመጹ ተወዳደርቲ ከም ዝሳተፉ ፕረዚደንት ሃገራዊ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ዓንደ ምስ ቴሌቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕተት ሓቢሩ ነይሩ።

እዚ ንፈለማ እዋን ኣትሌታት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ፡ ዝተሳተፉሉ ማራቶን ኣስመራ 2019፡ ኣብ ሞንጎ ዕዉታት ዝመቓራሕ 16500 ዶላር ሽልማት'ዩ ተዳልዪሉ።

ጎኒ ጎኒ ኣስመራ ማራቶን ተሰሪዑ ኣብ ዝነበረ ሓባራዊ ጉያ'ውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተሳተፉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።ዓሚ ኣብ ዝተኻየድ ኣስመራ ማራቶን 2018 ሓጂ መሓመድ፡ ንውድድሩ ብ2 ሰዓት፡ 24 ደቒቕን 20 ካልኢትን ምዝዛሙ ይዝከር።