እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጎስጓስ #ይኾኖ ኣብ ዓለማዊ ወፍሪ 16 መዓልታት
መናእሰይ መቐለ እናተራኸባ ብዛዕባ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ዘሎ ፆታዊ ጥቅዓት ንምቅላስ ዝጀመርኦ ዘተ 'ይኾኖ' [ይኣክል] ናብ ዝብል ጎስጓስ ክብ ኣቢለንኦ ኣለዋ።
ኣብዚ ምንቅስቓስ እትነጥፍ ሰላማዊት መድሃንዬ፤ ካብ ዩንቨርሲቲ መቐለ ብትምህርቲ ስነ-ልቦና [ሳይኮሎጂ] ቀዳማይ ዲግሪ ተመሪቓ፤ ብጋዜጠኝነት ትሰርሕ።
ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዓይኒ ዘንቁሕ ነይሩ። ቀጺሉ ኣብ ከተማ መቐለ ድማ፡ ጓል 3 ዓመት ህፃን ምሰተደፍረት ንምንታይ ኣብ መቐለ ስላማዊ ሰልፊ ዘይካየድ? ክብላ ከምዝሓሰባ ስላማዊት ትዛረብ።
ንመንግሰቲ ከፍልጣ ኣብ ዝኸዳሉ እዋን ግን ኣወንታዊ ምላሽ ኣይረኸባን። ካብ መንግሰታዊ ኣካላት ዝተውሃበን ምላሽ 'ሓላፍነት ኣይንወስድን፡ ግዚኡ ኣይኮነን፡ ንስኽን ውልቀስባት ኢኽን' ዝብል ነይሩ።
እቲ ጉዳይ ክሳብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልል ትግራይ በጺሑ። ብቤትፅሕፈት ከንቲባ ከተማ መቐለ ተፀዊዐን "እንታይ ኢኽን ኮይንኽን ኣዋዕዊዕኽንኦ? እቲ ጉዳይ፡ ቀሊል እናሃለወስ ንምንታይ ኣኽቢድክንኦ" ተባሂልና ድማ ትብል፡፡
ንሰን ድማ ነቲ ኣዋጅ ሒዘን ብምኻድ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ ሕገመንግስታዊ መሰለን ምዃኑ ኣረዲአን። ክልተ ሰሙን ሙሉእ ተመላሊሰን።
"መንግሰቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝካየደሉ ሰዓትን ቦታን ይቀየረለይ ክብል ይኽእል እምበር ስላማዊ ሰልፊ ክኽልክል ኣይክእልን" ኢለን ተሟጒተን፡፡
ሰላማዊት፡"ምስቲ ናይ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ፖለቲካ ሓደ ሓደ ሰብ ሰላማዊ ሰልፊ እንትብሃል በቲ ሰልፊ ኣቢልካ ጎንፂ ዝለዓል እዩ መሲልዎ" ትብል።
ገለ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ ሰባት'ውን ኣይሓገዙናን በሃሊት እያ።
"ኣብ ትግራይ ሰላም ስለዝኾነ ብስም ደቂ ኣንስትዮ ጎንፅታት ንክለዓሉ መጥቀሚኦም ክገብርወን ደልዮም" ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብገለ ነጠፍቲ ሽምና ጠፊኡ ድማ ትብል።
"ብነፃ ዝንቐሳቐስ ሰብ ብጥርጣረ እዩ ዝረኣይ" እትብል ሰላማዊት፡ ካብ'ቲ ጾታዊ ጥቕዓት ወፃኢ ካልእ ዛዕባ ከምዘይነበረን ትዛረብ።
እንተኾነ ካልኦት፡ ካብቲ ዕላማ ወጻኢ መልእኽቲ ዝሐዘለ ፖስተራት አሐቲሞም ክሕወሱዎን ሃቂኖም ከምዝነበሩ ብኣካለት ጸጥታ ተነጊሩዎን እዩ።
መንግስታዊ ሚድያታትከ?
ሰላማዊት፡ "መንግስታዊ ትካላት ሚድያ ትግራይ ሽፋን ክህባና ኢለ ደብዳብ ፅሒፈ ከይደ። 'ማሕተም ዘይብሉ ደብዳበ እንታይ ኢልና ኢና ሸፋን ክንህበክን፡ብስሩ ንስኽን ታዎት ኢኽን?' ዝብል ምላሸ ኢና ረኺብና" ትብል።
"ኣብ ገጠር ዘላ ጓል ኣንስይቲ፡ መንግስታዊ ሚድያ እያ ትከታተል። መልእኽትና ኣብ ታሕቲ ናብ ዘሎ ማሕበረሰብ ብመንግስታዊ ሚድያ እንተዘይበፂሑ ናበይ ከይድና ድኣ ክነመሓላልፎ?" ኢላ ትሓትት።
ካብ ስድራን መሓዙትን እውን 'ንምንታይ ኢኽን ከምኡ ትገብራ?' ዝብሉ ነቐፌታታት ከምዝነበሩ ትዛረብ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ተፈቒዱለን እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ መቐለ ተካይዱ። እቲ ስላማዊ ሰልፊ ብምክያዱ ፅዕንቶ ክፈጥራ ከምዘኸአዛላ እትዛረብ ሰላማዊት፡ "ነቲ ዛዕባ መዘራረቢ ክኽውን ገይርናዮ ኢና" ትብል።
ንጓል ኣንስተይቲ እቲ ሓደገኛ ቦታ...
ሰላማዊት ከምእትብሎ፡ መብዛሕተአን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ደገ ኣይኮናን ዝጥቃዓ።
"እቲ ጥቕዓት ካብ ገዛና እዩ ዝጅምር። ንጓል ኣንስተይቲ እቲ ሓደገኛ ቦታ ገዝኣ እዩ" ኢላ፡፡
ምክንያታ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ፤ ሓንቲ ጓል ተነስተይቲ፡ ብዓብይ ሓዋ፣ ኣቦኣ፣ ኣዲኣ ወይውን ብበዓል ገዝኣ ዝተፈላለየ ፆታዊ፣ ስነልቦናዊ፣ ኣካላዊ ወይድማ ቁጠባዊ ጥቕዓት እዩ ዝበፅሓ ዝብል እዩ።
ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ታሕተዋይን ላዕለዋይን ብርኪ ዝመሃራ ተምሃሮ፡ ብመማህርተንን መማህራንን ጥቕዓት ከምዝበጽሐን ይዝረብ።
ኣብ ኮሌጃትን ዩኒቨርሲቲታትን ንደቂ ኣንስትዮ 'መሕለፊ ነጥቢ ክህበኪ ምሳይ ደቅሲ' ምባል ድማ ከም ልሙድ ነገር ይርኣ ኣሎ ትብል።
ኣብ መንግስታውን ውልቃውን ኣብያተ ዕዮ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ሓላፊኣ እንተዘይተቐራሪባ ወይውን ተዘይደቂሳ፡ ዕብየት ትኽላእ ክትብል'ውን ትኸስስ።
ኣብ ገለ ስራሕቲ ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ክፍሊት ዘይረኽባሉ ኩነታት ከምዘሎ ድማ ትዛረብ።
ኣብ ገጠራት ዝርከባ ሰብኣይ ስለዘይብለን መራሕቲ ስድራ፤ ተጠቀምቲ መደባት ሴፍትነት ከይኾና ምግባር ሓዊሱ፡ ብዙሕ በደል ከምዝበጽሐን'ውን ኣረዲኣ።
እቲ ጎስጓስ እንታይ'ዩ ?
በብዓመቱ ኣብ ወርሒ ሕዳር ን16 መዓልትታት ዝግበር ጎስጓስ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ጥቐዓት ጠጠው ንክብል ዝዓለመ እዩ።
ሰላማዊትን መሓዙታን ድማ ነዚ ተበግሶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ረብሐአን ኣውዒለንኦ። ምስቲ ቅድም ኢለን ብፍላይ ኣብ ከተማ መቐለ ከካይደኦ ዝጸንሓ ጎስጓስ ተሳንዩ።
ኣብ ጎደና ከተማ መቐለ ከባቢ 17፡ ካብ ሰዓት 9 ክሳብ 2 ስዓት ምሸት፡ ቴንዳ ዘርጊሐን "ንዑ ንዛተ" ዝብል ጽሑፋት ለጢፈን፡ መናብር ኣሰናዲአን ዝኾነ ሓላፊ መንገዲ ብምዕዳም ዝተፈላለየ ዛዕባ እናልዐላ ከዛተያ ከምዝቐነያ ሰላማዊት ትዛረብ።
ካብቲ ጎስጓስ ብዝዘለለ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ትግራይ ተዓሚፀን ንዝመፃ ደቂኣንስትዮ ዘዕቁባሉ ትካል፡ ዝተፈላለየ ክዳውንትን 'ሞዴስን' ክእክባ ቀንየን።
ኣብቲ ጎስጓስ ካብ መፈለምታ ክሳብ መወዳእታ ደቂተባዕትዮን ሰብሓዳርን እውን ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝበፅሕ ጥቐዓት ጠጠው ክብል ተሳቲፎም እዮም።
"ተሓቢኡ ዝነበረ ጉዳይ ኣውፂእካ መዘራረቢ ክትገብሮ እንተለኻ፤ ሕድሕድ ሰብ ብዝግባእ ክሓስበሉ ኢኻ ትገብሮ" ትብል።
"ይኾኖ" ዝብል ሃሸ ታግ [#ይኾኖ] እውን ኣብ ማህበራዊ ሚድያ ጽዕንቶ ክፈጥር ከምዝኸኣለ ኣባላት ናይቲ ምንቅስቓስ ይዛረባ።
እቲ ጎስጓስ ውጽኢታዊ ድዩ ?
ካልእቲ ኣባል ጉጅለ ጎስጓስ 'ይኾኖ' ድማ ፅዴና ኣባዲ ትበሃል። ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ መፅናዕቲን ትርጉምን እያ ትነጥፍ፡። ኣብዚ ጎስጓስ ድማ ክትነጥፍ ቀንያ።
ፅዴና፡ ግንዛበ ምፍጣር ፈላማይ እምበር ናይ መወዳእታ ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን ትብል።
"ከም እንዕዘቦ፤ መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ ጥቅዓት ደቂኣንስትዮ ብሓፈሻ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ማሕበረሰብና ኣይዝትን። እንተነኣሰ ክተውግዓሉ ክትጅምር እንተለካ እዩ ታይ ታይ ፀገማት ኣለው ኢልካ ናብ መፍትሒ ትኸይድ" ትብል።
ብምዃኑ ድማ፡ እቲ ግንዛበ ናይ ምፍጣር ተበግሶ፡ ከም ጅማሮ ውጽኢታዊ ከምዝኾነ እያ ትኣምን።
እቲ ጸገም ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ?
ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃሮማያ ክፍሊ ትምህርቲ 'ጀንደር ዴቨሎፕመንት' መምህር ዝኾነት ገነት ገብረ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘገበረቶ ጻንሒት፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ፡ ብ2016 አቆፃፅራ ኣውሮፓ ብውልቀ ትካል ካብ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ወፃኢ ካሊእ ከምዘየለ ትገልጽ።
ኣብ ቀጻሊ ግን፡ ሚንስትሪ ጉዳያት ደቂኣንስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ምስ ሚንስትሪ ሓለዋ ጥዕና ሓቢሮም ኣብ መጻኢ ዓመት ጥቐዓት ደቂ ኣንስትዮ ዝድህስስ መጽናዕቲ ንምክያድ ትልሚ ከምዘለዎም ትዛረብ።
ከም ሕብረተሰብ ግን ኣብቲ ጉዳይ ዘሎ ግንዛበ ትሑት እዩ በሃሊት እያ።
"ኣብ ቀረባ እዋናት ምስ ትሕቲ ዕድመ መርዓን ምድፋርን ውሽጢ ንውሽጢ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ሓበሬታ ኣለኒ። ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ንሰምዖም ዘሕዝኑ ዘደንግፁ ታሪኻት ኣለው" ትብል።
ንቕሓት ብዝምልከት፡ ብፍላይ እቲ ፊደል ዝቖጸረ ዝበሃል ነቲ ዛዕባ እኹል ጠመተ ከምዘይህብ ካብቲ ዝተኻየደ ንጥፈታት ተሪዲእና ትብል።
"ይኾኖ- ዝብል ምንቐስቓስ ብዙሕ ኣርእዩና እዩ"
እዚ ብሓፈሻ፡ ምሰቲ ኣብ መሬት ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ከምዝዛመድ ድማ ትገልጽ። ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ፍትሒ ዘሎ ኩነታት ኣልዒላ ትዛረበሉ።
"ኣብ ፍትሒ ዘሎ ጸገም፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዝድህል እዩ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ተደፊራ ናብ ሕጊ ክትከይድ እንተላ፡ ብዙሓት ፅዕንቶታት ኣሎ። ምሸምጋል ኣሎ። ምስቲ ዝዓመፃ ሰብ ንክትነብር ዝግበር ድፍኢት ኣሎ" ትብል።
ኣብ ቤት ፍርዲ ላዕልን ታሕትን ክትብል እንተላ፡ እቲ ዝደፈረ ሰብ ከይተቐጽዐ ዝፍተሐሉ ኩነታት ከምዘሎ'ውን ትገልጽ።
"ደቂ ኣንስትዮ እውን ጥቕዓት ነብፅሕ ኢና"
ሰላማዊት "ደቂ ኣንስትዮ ባዕልና እውን ጥቅዓት ንፍፅም ኢና። ብዝተፈላለየ መልክዑ፡ ዝተጠቕዐት ጓል ኣንስተይቲ ብምሕባእ፣ ክትጠቃዕ ብምግባር'ውን ንሳተፍ ኢና" ትብል።
መምህር ገነት ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሓቢረን ተወዲበን መሰለን ኣብ ምርግጋፅ ድኽመት ከምዘሎ ትዛረብ።
እዚ ድኽመት ግን ውፅኢት ናይ ባህልን ሃይማኖትን ፅዕንቶ ከምዝኾነ እያ ትዛረብ።
"ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ቃልሲ፡ ንማዕርነተን ንመሰለንን ሂወተን ከፊለን እየን። ብልክዕ እቲ ቃልሰን ግን ማዕርነተንን መሰላተንን ተሓልዩ ድዩ? እንተይልና ኣዝዩ ገና እዩ" ኢላ።
ኣብቲ ቃልሲ ዝነበራ ደቂኣንስትዮ ባዕለን'ውን፤ ድሕሪ እቲ ቃልሲ እቲ መንፈሰን ዝተውሓጠ ከምዝኾነ ትዛረባ።
ነዚ ጉድለት ንምምላእ፡ ማሕበር ንምጥያሽ ዘድሊ ቅድመ ኩነት ኣብ ምምላእ ከምዝረከባ ፅዴና ትዛረብ።
"ኣፍልጦ ምስተውሃበና ስራሕና ብዕሊ ክንጅምር ኢና" እትብል ጽዴና፡ ዛጊድ ዝተሰርሐ ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕ ከም ዓወት እያ እትቖጽሮ።
ሰላማዊት መድሃኔ ብወገና፡ ብፍላይ ኣብ ከባብታት ገጠር፡ ኣብ ታሕቲ ወሪደን ክሰርሓ ከምዝደልያ ትዛረብ።
"ንሕና ሐዚ 'ይኾኖ' ክንብል እንተለና ኣብ ከተማ ዘሎ ሰብ ከም ሕንቓቐ'ዩ ዝወስዶ፡ ከምዚ ኣንፃር ደቂተባዕትዮ ዝተልዓልና እዩ ዝትርጉሞ" ብምባል፡ ከምኡ ዓይነት ዕላማ ከምዘይብለን ተብርህ።