ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ፡ ኣብ ተሸላሚ ኖቤል እዚ ዓመት ዘሎ ኣተሓሳስባ 'መደመር'

ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኮሚተ ኖቤል ንቐዳማይ ሚኒሰትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቀጠና ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰላም ንክመጽእ ብዘርኣዮ ምንቅስቓስ ሽልማት ኖቤል ሸሊሙዎ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንኢትዮጵያ ብብዙሕ መልክዑ ኣነቓኒቑዋ'ዩ።

እዚ ሎሚ ኣብ ኦስሎ ካብ ኮሚተ ሽልማት ኖቤል ዝብርከተሉ ሰብኣይ ግን፡ ኣብ ርእሱ ዘለው ሓሳባት እንታይ'ዮም?

'መደመር' ቃል እዚ ቐዳማይ ሚኒስትር'ያ።

ኣብ ኢትዮጵያ ድማ እታ ዝበዝሕ ዘዘራረበት ቃል እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ከይኮነት ኣይትተርፍን።

እዚ፡ ኣብታ ሃገር ንዘለው ብድሆታት ብሓባር ንምስጋር "ናብ ሓደ ምምጻእ" ዝብል ትርጉም ከም ዘለዎ ደጋጊሙ ይዛረብ።

ጸኒሑ፡ በዚ ቃል ዝሰመዮ መጽሓፍ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዝለዓለ ድምቀት ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ኣመሪቑ።

እዚ መጽሓፍ ብቋንቋታት ኣምሓርኛን ኦሮሚኛን እዩ ተዳልዩ። ብዙሕ እንከይጸንሐ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ኦሮሚያ ብዝተልዓለ ናዕቢ እዚ መጽሓፍ ክቃጸል ተራእዩ።

ሽፋን መጽሓፍ መደመር
መግለጺ ስእሊ, መጽሓፍ 'መደመር' ብቋንቋታት ኣምሓርኛን ኦሮሚኛን እዩ ተዳልዩ

ኣብ 16 ምዕራፋትን 280 ገጻትን ዝተዳለወ እዚ መጽሓፍ፡ ዕሸል እንከሎ ምስኡ ዝዓበየ ኣተሓሳስባ ምኻኑ እቲ ጸሓፊ ይዛረብ።

ኣብ ክንዲ ዓሌታዊ ምክፍፋል፡ ሃገራዊ ሓድነት ከጉልሕ ከም ዝደሊ እንትገልጽ፡ እቲ ብዙሕነት'ውን ከም ዝጽምብሎ ይሕብር።

በዚ መገዲ ከዐውቶ ዝኽእል ስራሕ ድማ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐሉ ግዜ ክውስን'ዩ።

ዕላም 'መደመር' እንታይ'ዩ?

ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ናብ ሓደ መጺኦም እቲ ዝበለጸ ክውሰድ ይክኣል እንትብል፤ ነቲ ዝጸንሐ ስነ ሓሳብ ግን ይነጽጎ።

ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ እታ ሃገር ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ክትምርሐሉ ካብ ዝጸንሐት መገዲ ዝተፈለየ ኣካይዳ'ዩ ዝኽተል።

ፖለቲካዊ ለውጢ ይገብር ከም ዘሎ ንምርኣይ ድማ፡ ካብቲ ዘይድፈር ዝነበረ መሓውር ሃገራዊ ድሕነት ጀሚሩ ለውጥታት ክገብር ጀሚሩ።

ቅድም ኢሉ፡ ኣተሓሳስባታት ማርክሲስትን ሌኒንን ብምስዓብ ቑጠባዊ ምዕባለ ንምምጻእ ኣብ ግብሪ ዝጸንሐ ወያናይ (ሰውራ) ዲሞክራሲ ንኢትዮጵያ ክጠቅም ዝኽእል ብዘይምኻኑ ኣይተዓወተን ክብል'ውን ነቲ ስነ ሓሳብ 'ከነኣእስ' ፈቲኑ።

ጋዜጣታት ውሽጢ ዓዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኮሚተ ሽልማት ኖቤል ዓወት እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ወግዓዊ ገይሩ

እቲ ጸሓፊ፡ "ልኡላዊት ሃገርን ጸገማትና ዝፈትሕን፣ ሓድሕድና ከቀራርበና ዝኽእል ሃገራዊ ስነ ሓሳብ'ዩ ዘድልየና" ክብል ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩ።

ምጽንባርን ምትሕብባርን ክብርታት ኢትዮጵያ'ዮም እውን ይብል።

ከም ሓሳብ ጽቡቕ'ውን እንተኾነ፡ ንጹር መገዲ ዝሕብር ግን ኣይኮነን ኢሎም ዝነቕፉዎ'ውን ኣለው።

ምህርቲ ሕጊ ህሊና ብርሃኑ፡ 'መደመር' ብቐሊሉ እትርድኦን "ጸረ ቓንዛ" እቲ ሕሉፍን'ኳ እንተኾነና፡ ንመጻኢ ከመይ'ዩ ክኸውን ዝብል ዝሕብር ንጹር ፍኖተ ካርታ ግን ይውሕዶ'ዩ ኢላ።

ኣብዪ ግን ቀዳማይ ሚኒስትር ቅድሚ ምኻኑ እዩ ብዛዕባ 'መደመር' ዝደጋግም ነይሩ።

ኣብ መሓውር መንግስቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ናብ ሓደ ናይ ምምጻእን ብሓባር ምስራሕን ንሰባት ከውግዕ እንከሎ፡ እዚ ቃል ይጥቀም ነይሩ ይብሃል።

ሕጂ ድማ፤ 'መደመር' ካብ ድኽነት ክሳብ ዓሌታዊ ምክፍፋላት ዘለው ብድሆታት ኢትዮጵያ መፍትሒ ዝህብ'ዩ ኢሉ እዩ ዝኣምን።

ህዝቢታት፡ ካብ ሕሉፍ ዓሌታውን ታሪኻውን ምክፍፋል ወጺኦም ናብ ሓደ ንክመጽኡ፡ 'ክድመሩ' ኣለዎም ይብል። እንተዘይኮይኑ፡ ህልውና እታ ሃገር [ኢትዮጵያ] ኣብ ሓደጋ ክወድቕ'ዩ ኢሉ የጠንቅቕ።

ኣብ ዝሓለፉ 20 ኣዋርሕ፡ በብቦትኡ ዝተልዓሉ ዓሌታዊ ግጭታት ህይወት ኣሽሓት ከም ዘጥፍኡን፡ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ ቤቶም ከም ዝተዘናበሉን ይእመን።

ብ1995 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝጸደቐ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ብሄር ዝተሞርኮሰ እዩ።

እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ዝርከቦም ነዚ ዝነቕፉ ሰባት እንተሃለው'ውን፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ብሄራት ዝተፈጸሙ ዘይፍትሓውያን ዝኾኑ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ግን ምላሽ ዝሃበ'ዩ ዝብሉ ኣለው።

እዚ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ብቑጠባውን ብሄራውን ዘይፍትሓዊ ተጠቃምነት ብዝተልዓለ ናዕቢ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብሄርተኝነት ጎኒ ጎኒ እቲ ንሱ "ዜግነታዊ መንነት" ዝብሎ ክኸይድ ዝኽእል'ዩ ኢሉ ይካታዕ።

እዚ፡ ብተግባር ከመይ ኢሉ እዩ ክኸውን ዝብል ንምርኣይ ግን ከቢድ'ዩ።

'መደመር' ንሰባት ግን ኣእሚኑ ድዩ?

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኩሉ ሰብ ብናቱ ራእይ ሕጉስ ከም ዘይኮነ ዘርኢ፡ ረብሓናን ሕቶናን ክጭወ እዩ ዝመስል ኢሎም ዝተቖጥዑ መናእሰይ ኦሮሞ ገለ ሕታማት መጽሓፍ 'መደመር' ከቃጽሉን ክጭርሑን ተራእዩ።

ልፍንቲ ኢህወደግ ዝነበረ ህወሓት፡ ኣተሓሳስባ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ዘይንጹር ኢሉ ብምንቃፍ ንሱ ካብ ዝመስረቶ ሓድሽ 'ውሁድ ሰልፊ' ንርእሱ ኣግሊሉ።

ኣብዪ ኣሕመድ ግን፡ እታ ሃገር ካብ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ምክፍፋላት ብምውጻእ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ዘሳግራ 'መደምር'ዩ' ኢሉ ይኣምን።