ዶ/ር ኣብዪ ኣብ ሽልማት ኖቤል ንጋዜጠኛታት መግለጺ ኣይህብን እየ ምባሉ የዘራርብ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister-Ethiopia
ተዓወትቲ ሽልማት ሰላም ኖቤል፡ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ እቲ ናይ ሽልማት፡ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ክህቡ ልሙድ እዩ።
ናይዚ ዓመት ተሸላሚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ግን፡ ኣብ ድሮ እቲ ሕዳር 10 ዝወሃብ ሽልማት፡ መግለጺ ከምዘይህብ ነቲ ኮሚቴ ከምዝሓበረ ሮይተርስ ገሊጹ።
ንጋዜጠኛታት መግለጺ ኣይህብን ምባሉ ከኣ የዘራርብ ኣሎ።
ንሱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ኢርና ሶልበርግ ድሕሪ ምርኻቡ ምስ ጋዜጠኛታት ከካይዶ ዝግበኦ ሕቶን መልስን 'ውን ኣይክሳተፍን።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ኣብ ማእከል ሽልማት ኖቤል፡ ህጻናት ምስ ተዓዋቲ ሰላም ኣብ ዘኽብሩሉ መድረኽ'ውን ከምዘይርከብ ገሊጹ ኣሎ።
ስለምንታይ እዩ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብቶም ምድላዋት ዘይሳተፍ ተባሂሉ ዝተሓተ ጸሓፊ ኖቤል ኮሚቴ ኖርወይ ኦላቭ ጆኤልስታድ፡
''እቲ ምኽንያታት ኣብታ ሃገር ምስ ዘጋጥምዎ ዘለዉ ጸገማትን፡ ብኸፊል ከኣ ሃይማኖቱ [ስለዝድርቶን] ብባህርኡ እውን ሓፋር ስለዝኾነን'ዩ ዝመስለኒ'' ክብል ገሊጹ።
ብተወሳኺ ''ኣቕዋም እቲ ኮሚቴ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ኣባላቱን ኣብሪህናሎም ኢና'' ክብል ተዛሪቡ።
ኮይኑ ግና ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንትን ኖርወይ ክረኽቦም እንተኾነይኑ፡ ኣብ ፓርላማ ኖርወይ'ውን ክበጽሕ እዩ።
ሓላፊት ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቢለኔ ስዩም፡ ''ኣገደስቲ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ኣብ ስራሕ ዘሎ መራሒ መንግስቲ ክንድዚ መዓልቲታት ክህብ ይኸብድ እዩ'' ብምባል ንሮይተርስ ተዛሪባ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ መድረኽ ወጺእካ ክትረአ ብናይ ኢትዮጵያውያን ባህሊ ቅቡል ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ ካብ ባህሊ ኢትዮጵያውን ዝብገስ ሕንከት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ እቲ ሰብ ውዕዉዕ ባህርያት ሽልማት ኖቤል ከምዘይገጥም ገሊጻ።
እንተኾነ ግን፡ ቅድሚ እቲ ሽልማት ኣብ ዘለው ምድላዋት ምስቲ ኮሚቴ ሰላም ክተሓባበር ምዃኑ ሓቢራ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







