ኣብ ከተማ አዳማ ጥርጡራት ክሕዙ ዝተዋፈሩ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ብዕስለ ተቐቲሎም

ፖሊስ ዞባ ምብራቅ ሸዋ

ኣብ ዞባ ምብራቅ ሸዋ፡ ከተማ አዳማ ወረዳ አዱላላ፤ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ጥርጡራት ንምሓዝ ዝተዋፈሩ ክልተ አኣባላት ፖሊስ ህይወቶም ስኢኖም።

ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ምብራቕ ሽዋ፡ ኮማንደር ሽፈራው ጉቱ፡ እቶም ኣባላት ኣብቲ ቀበሌ ዝርከቡ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከውዕሉ ኣብ ዝተዋፈርሉ እዋን " ንምንታይ ይኣስርዎም?" ብዝብል ኣብቲ ከባቢ ናዕቢ ተልዒሉ ብዕስለ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት'ውን ጉድኣት ዝበጽሐ እንትኸውን፡ ሓደ ሲቪል ህይወቱ ሓሊፉ። ካልኦት ክልተ ፖሊስ ድማ ቆሲሎም።

እቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ኣባላት ጸጥታ ሕክምናዊ ድጋፍ እናተገበረሎም ከምዝርከብ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

እቲ ክስተት ትማሊ ንጎሆ እዩ ተፈጺሙ።

እቶም ሰለስተ ጥርጡራት፡ ቅድም ክብል ዝሃብዎ 'እገለ ሰብ ቀቲሉ'ዩ' ዝብል ምስክርነት ሓሶት ምዃኑ ብቤት ፍርዲ ምስተረጋገጸ መሊሶም ቃሎም ክህቡ ተሓቲቶም ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም'ዩ ተኣሲሮም ክቐርቡ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።

እቶም ኣባላትፖሊስ ድማ፡ ነዞም ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ከውዕሉ ናብቲ ቀበሌ ተንቀሳቒሶም።

እቲ ፖላዊስ መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞም ምስ ዕጥቆም እናሃለዉ ከምዝኾነ ድማ እቲ ኣዘዛዚ ፖሊስ ሓቢሩ።

"ናይ ባዕልና ዝወጻናሉ ማሕበረሰብ ብኸምዚ ዓይነት መስካሕኽሒ መንገዲ ክቕተሉ ምርኣይ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ" ኢሉ ኮማንደር ሺፈራው ጉቱ።

ብዛዕባ እዚ ዕስላዊ መጥቃዕቲ ምጽራይ እናተኻየደ እንተኾነ'ኳ፡ ዛጊድ በቲ ፍጻመ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝወዐለ ሰብ ከምዘየለ እቲ ኮማንደር ወሲኹ ተዛሪቡ።