እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወይዘሪት ዓለም፡ ንኣደታት ዝኽልክሉ ሕግታቱ "ፈላለዪ'ዩ"ተባሂሉ
"ረቛሒታት ወይዘሪት ዓለም ኣድልዎ ዘለዎም'ዮም . . . ነዚ ዘመን ዝምጥን ቦታ የብሎምን"።
ኣብ 2018 ወይዘሪት ዩክሬይን ተባሂላ ዘውዲ ዝደፍአት፤ ኣደ ቖልዓ ምዃና ምስ ተፈለጠ ግን እቲ ዘውዲ ዝተመንጠለት ጓል 24 ዓመት ዩክሬናዊት ሞዴል ቬሮኒካ ዲዱሴንኮ እያ ነዚ ዝበለት።
ሕግታት እቲ ውድድር፡ ዝኾነት ቖልዓ ዘለዋ ተወዳዳሪት፡ ካብቲ ውድድር ክትእለ ዝገብሩ'ዮም።
ሕጂ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቖልዓ ዘለዋ ቬሮኒካ፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊሲታት እዚ ውድድር ሕጋዊ ስጉምቲ ክትወስድ ወሲና ኣላ።
" ክቃለሶምን ክልውጦምን'የ ዝደሊ። ሕግታት ውድድር ወይዘሪት ዓለም ምስዚ ግዜ ክጉዓዙ'ውን ክገብሮም'የ" ኢላ።
"እቶም ሕግታት እዚ ዘመን ዝጠልቦም ንኽኾኑን፡ ደቂ ኣንስትዮ ስርሐንን ውልቃዊ ህይወተንን ኣጠዓዒመን ክኸዳ ዝገብሩን ምኻኖም ከረጋግጽ'የ ዝደሊ"።
ቬሮኒካ ከም እትብሎ፡ ኣብ ረድኤት ንእትሰርሖ ስራሕቲ ሽሙ ከተፋልጥ ኢላ ኣብ ዝኣተወቶ ውድድር ጽባቐ ክትዕወት እንከላ፡ ሃንደበታዊ ዓወት'ዩ ኾይኑዋ።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ዓለም ሃገራ ወኪላ ንምስታፍ መደብ'ኳ እንተነበራ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ግን እቲ ዝተውሃበ ዘውዲ ተመንጢላ።
"እዚ ንዓይ ዘዋረደን ፈላላይን'ዩ" ኢላ።
"እዚ ከምዚ ዓይነት ነገር፡ ታሪኽ ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ'ዩ። ብዙሓት ኣደታት ብምዃነን ጥራሕ ካብቲ ውድድር ተኣጊደን'የን"።
ስለ ምንታይ ኣደ ብምዃና ጥራሕ ካብ ውድድር ትእለ? ኢላ ዝሓተተት ቬሮኒካ፡ "ኣደነት፡ ክእለተይ ሞያዊ ካብ ምዃን ወይ'ውን ዕውቲ ሞዴል ኮይነ ስርሐይ ካብ ምስራሕ ኣይእግደንን" ትብል።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብ ውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ዓለም ዘለው ሕግታት ማይ ዝዓቑሩ ኣይኮኑን ክትብል ትቃወሞም።
ኣደ መንበርን ኣባል ቦርድን ትካል ወይዘሪት ዓለም ጁሊያ ሞርለይ፡ ኣብ 2018 ብዛዕባ እቶም ሕግታት ሕቶ ቐሪቡላ ነይሩ።
ንሳ ንጉድ ሞርኒንግ ብሪቴይን ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ "ብዓለም ደረጃ ክንሓስብ ኣብ እንፍትነሉ እዋን፡ ተቐባልነቱ ዝዓዘዘ'ዩ ዝኸውን። ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ስምዒትን ኣብዚ ዘሎ ስምዒትን ዝተመሳሰለ'ዩ። እቲ ቀንዲ ዘድሊ፡ ሚዛነ ምትሓዙ ጥራሕ'ዩ" ኢላ።
ዳይሬክተር ውድድር ወይዘሪት ኢንግሊዝ ኣንጊ ቤስለይ ብወገና፡ ኣደነት፡ ዕውታት እዚ ውድድር ኣብ ሞንጎ ውድድር ጽባቐን ኣደነትን ዝህልወን እጃም ዝተኸፋፈለ ክኸውን ይገብሮ'ዩ ክትብል ኣብ 2014 ተዛሪባ ነይራ።
"እታ ተወዳዳሪ ኣደ እንተኾይና'ሞ፡ ምስ ተዓወተት ኣብ ዓለም እናተዛወረት ክተስርሓ ነቲ ቖልዓን ነቲ እትመርሖ ስድራን ፍትሓዊ ኣይኸውንን። እቲ ቖልዓስ መን የዕብዮ ዝብል ሕቶ የልዕል'ዩ" ኢላ።
ቬሮኒካ ግን፡ ወዳ "ብጽቡቕ ዝዓበየ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ምኽንያት ድማ ስርሓ ንክትሰርሕ ዓለም ኣብ እትዘረሎም ግዜያት ሓቢሩዋ ይጉዓዝ ብምንባሩ ከም ዝኾነ ትዛረብ።
"ኣብዛ ንኡሽቶ ዕድሚኡ ብዙሓት ሃገራት ርእዩ'ዩ። ንዓይ ከም ዝርድአኒ ድማ፤ ካብ ካልኦት ቖልዑ ዝማዕበለን ዝዓበየን ህጻን'ዩ። ስለ ዝኾነ እቶም ዝወሃቡ ርኢይቶታት ንዓይ ትርጉም ዝህቡ ኣይኮኑን"።
ብምዃኑ ድማ፡ ብሕጂ ውድድር ጽባቐ ወይዘሪት ዓለም ኣብ ሕግታቱ ለውጢ ክገብር ዘኽእል ሕጋዊ ስጉምቲ ከም እትወስድ ገሊጻ።
ናይዚ ዓመት ውድድር ወይዘሪት ዓለም 14 ታሕሳስ 2019 ኣብ ለንደን'ዩ ክካየድ።