ኣብ ኣሜሪካ ዝካየዱ ሰለስተ ዓበይቲ ውድድራት ቁንጅና ንፈለማ እዋን ኩሎም ብዓወት ፀለምቲ ተዛዚሞም።

ኣብ 2019፡ ሰለስተ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ነቶም ኣብ ኣሜሪካ ዝካየዱ ሰለስተ ዓበይቲ ውድድራት ቁንጅና ተዓዊተናሎም።

ጓል 25 ዓመት ኒያ ፍራንክሊን ኣብ መስከረም ወይዘሪት ኣሜሪካ ክትከውን እንከላ፡ ጓል 18 ዓመት ካሊ ጋሪስ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንእሰይ ወይዘሪት ኣሜሪካ ተባሂላ፡ ጓል 28 ዓመት ቸስሊ ክሪስት ድማ ወይዘሪት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተባሂላ።

ኣብዞም ሰለስተ ውድድራት ንነዊሕ እዋን ክረኣይ ዝጸንሐ ኣድልዎን ዓሌትነትን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እዞም ናይ ሕጂ ዓወታት ፍሉይ ትርጉም ዝህቡ እዮም።

ንፈለማ እዋን ኣብ ውድድር ቁንጅና ኣሜሪካ ተሳቲፋ ዝተዓወተት ጸላም ጓል ቬነሳ ዊሊያምስ ክትከውን ከላ፡ እዋኑ ድማ 1983 እዩ።

ቬነሳ ዊሊያምስ ኣብ 1983 ወይዘሪት ኣሜሪካ ኮይና ምስ ተዓወተት፡ ክሳብ 1990 ካልእ ዝተዓወተት ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ኣይነበረትን።

`ትውልደይ ኣሳታፊ፣ ብዙሕነት ዝነበሮ፡ ሓይልን ስልጣንን ንደቂ ኣንስትዮ ዝሃበን ንቕድሚት ዝጠመተን ኣተሓሳስባ ዝነበሮ ናይ ምውድዳር ዕድል ዝረኸበ ትውልዲ`ዩ` ኢላ ክሪስቲ ብሓሙስ ኣብ ዝተገብረ ምዕዳል ሽልማት ኣብ ዘስማዓቶ መደረ።

ክሪስቲ ኣብ ስራሕ ጥብቅና ሲቪላዊ ሕጊ ዝተዋፈረት ተወላዲት ሰሜን ካሮላይና ኮይና፡ ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ንዝወሃቦም ኣሱራት ድማ ነጻ ናይ ጥብቅና ሓገዝ ትገብር። ንሳ ሕጂ ንኣሜሪካ ወኪላ ኣብ`ቲ ናይ ዓለም ናይ ቁንጅና ውድድር ክትሳተፍ`ያ።

እታ ናይ`ዚ እዋን`ዚ ወይዘሪት ኣሜሪካ ዝኾነት ፍራንክሊን ደራፊት ናይ ኦፔራ ክትከውን እንከላ ብተወሳኺ ድማ ተበጻሕነት ስነ-ጥበብን ማሕበራዊ ለውጥን ንምትብባዕ ድማ ምስ`ቲ ሲንግ ፎር ሆፕ ተባሂሉ ዝፍለጥ ለጋሲ ማሕበር ትሰርሕ።

መንእሰይ ተዓዋቲት ጋሪስን ክሪስትን ተፈጥሮኣዊ ጸጉረን ጥራይ ተጠቒመን ኣብ`ቲ ውድድር ብምስታፈን`ውን ተናኢደን።

ኣብ 2020 ኣብ ኣሜሪካ ዝግበር ፕረሲደንታዊ ምርጫ እትወዳደር ካብ ጃማይካዊ ኣቦ እትውለድ ሰኔተር ካማላ ሃሪስ ድማ ብመንገዲ ኢንስታግራም ደገፋ ገሊጻ። `ከመይ ዝበልዎ ኣዝዩ ጽቡቕ እዋን`ዩ ነዘን ንኣሽቱ፣ ዕዉታት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ባዕለን መንገዲ ብናይ ባዕለን ምርጫ ክውስና` ኢና ንሳ።

እቲ ካብ`ቶም ሰለስተ ዓበይቲ ውድድራት ቁንጅና ዝዓበየ ዝኾነ ወይዘሪት ኣሜሪካ ኣብ 1921`ዩ ተጀሚሩ። ውድድር ወይዘሪት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ 1950 ክጅምር እንከሎ፡ ውድድር መንእሰይ ወይዘሪት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ድማ ኣብ 1983 ጀሚሩ።

ክሳብ 1968 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ውድድር ወይዘሪት ኣሜሪካ `ጸዓዱ` ንዘይኮና ደቂ ኣንስትዮ ኣየሳትፍን ነይሩ። ዋላ`ኳ ጸኒሑ እቲ ሕጊ እንተተቐየረ፡ ክሳብ 1970 ኣብ`ቲ ውድድር ዝተሳተፈት ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ኣይነበረትን።

ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ነቲ ዝነበረ ኣድልዎ ንምቅዋም ኣብ 1968 ውድድር ወዘሪት ጸላም ኣሜሪካዊት ኣዳል

ኣብ ጽባሕ ናይ`ቲ ኣብ`ዚ ቀረባ እዋን ዝነቐለ #MeToo [ኣነ`ውን] ዝተባህለ ምንቅስቓስ፡ እዞም ውድድራት ቁንጅና ክቕየሩ ጀሚሮም ኣለዉ። ብዙሓት ተወዳደርቲ ቁንጅና ድማ ንብዙሕነትን ምሕያል ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ጽባቐ ይደፍኣሉ ኣለዋ።የን።