ፅባቐ ከመይ ይግለፅ ትብሉ?

    • Author, ስቴፈን ማክኢንቶሽ
    • Role, ሪፖርተር መዘናግዒ መደባት

"ናብ ጉግል ኢሜጅ ሕዚ እተው'ሞ ምልኩዓት ደቀ-ኣንስትዮ ርኣዩ" ትብል በዓልቲ-ሞያ ስእሊ ሚሄላ ኖች።

ከምቲ ዝበለቶ ገይረ። ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ውፅኢታት ኣለሻይ ረኺበ።

"እንታይ ሪኢኻ" ክትብል ሓቲታትኒ። "ብጣዕሚ ዝማርኹ ስእልታት፡ ሓቀይ?" ኢለ መሊሰላ።

እወ፡ ኣብቶም ምስልታት ዝርከባ መብዛሕትኤን ደቀ-ኣንስትዮ፡ ነዊሕ ታኮ ዘለዎ ጫማን ክፋል ኣካላተን ዘርእይ ክዳውንትን ዝወደያ እየን። መብዛሕትኤን፡ መናእሰይ፣ ቀጠንቲ፣ ፅቡቕ ሕብሪ ቆርበት ዘለወን እየን።

"በቃ! ፅባቐ ኩልግዘ ከምኡ እዩ ዝግለፅ። ብዘጉሂ ኩነታት ንዕኣተን ምጉላህ፣ ፆታዊ ስሕበት ክፈጥራ ገይርካ ምፅብባቕ" ትብል።

"ደቀ-ኣንስትዮ ከምኡ ኣይኮናን ዝግለፃ። ናይ በዓልና ታሪክ፣ ቃልሲ፣ ዓቕሚ ኣለና። በዚ መልክዑ ክንግለፅ ኢና ንደልይ። ጎራዙ ነቶም ካልኦት ምስልታት እናርኣያ እየን ዝውዕላ። ብምዃኑ'ውን፡ ብዘለዋሉ ኩነታት ንክሕበና ዓርሰ ምትእምማነን ከዕብያ ኣለወን።

"ግን ድማ ጉግል ማለት ንሕና ኢና። ነቶም ምስልታት በዓልትና ኢና ፈጢርናዮም" ትብል።

ሚሄላ ዘሕተመቶ ቀዳማይ መፅሓፍ ስእልታት 'ኣትላስ ኦቭ ቢውቲ'፡ 500 ስእልታት ደቀ-ኣንስትዮ ዝሓዘ'ዩ።

ትርጉም ፅባቐ እዛ ሮማንያዊት ሰኣሊት፡ ፅባቐ ትርጉም የብሉን ዝብል'ዩ። ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ዕድመ፣ ሞያን ድሕረ-ባይታን ይርከብ።

ማሂላ "ሰባት ንስእልታተይ ዝፈትውዎም፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ ዙርያና ናይ ዘለዋ ሰባት ምስልታት ዝሓዙ ብምዃኖም'ዩ" ክትብል ትገልፅ።

"ስእልታተይ ተፍጥሮኣውን ቅልል ዝበሉን እዮም" እትብል ማሂላ፡ 500 ስእልታት ዝሓዘ መፅሓፋ ኣብ ነብሲ ወከፍ ስእሊ መግለፅን ሓበሬታን ገይራትሉ እያ።

ስእልታታ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ፡ ካብ ኔፓል፣ ቲቤት፣ ጣልያን፣ ሰሜን ኮርያ፣ ጀርመን፣ ህንዲ፣ ኣፍጋኒስታን፣ እንግሊዝ፣ ኣሜሪካን ኣማዞንን ዝተወሰዱ እዮም።

ገለ ቦታታት ካብ ካልእ ብዝዛየደ ብፀገማት ዝተሓፀሩ ኮይኖም ትረኽቦም።

"ኣብ ፅርግያ መገዲ ንዝረኸብክዋ ጓል-ኣንስተይቲ ክስእላ ተፀጊዐ። ብዛዕባ ዕላማ ስርሐይ ገሊፀላ። ሓደ ሓድ ግዜ 'ሕራይ' ዝብል መልሲ እረክብ። ገለ እዋናት ድማ 'ኣይኸውንን' ይብሉኒ። እቲ ኩነታት ነታ ዘለኹላ ሃገር መሰረት ዝገበረ እዩ" ክትብል ትገልፅ።

"ንክትሰኣል ድልውቲ ኣይኮነትለይን፤ ምናልባት ካብ ኣባላት ስድርኣ ፍቓድ ክትረክብ የድልያ ነይሩ ይኸውን"

ማሂላ ከምእትገልፆ፡ ኣብ ገለ ክፋላት ዓለምና ስእሊ ምስኣል ክብድ ይብል'ዩ። ምኽንያቱ ድማ ምስ ድሕንነት ስለዝተሓሓዝ እዩ።

" ስእሊ ክትስእሎም ከለኻ 'ምስኣሉስ ክሰኣል ግን ድማ ምናልባት ክጭወ ይኽእል እየ። ካብቶም ጉጅለ ማፍያ ክትኸውን ትኽእል ኢኻ' ይብሉ" ትብል።

እዚ ስራሕ ከምወዲ ተባዕታይ ኮይንካ ክትሰርሖ ቀሊል ከምዝኾነ እትገልፅ ማሂላ፡ ነዚ ከም ምኽንያት እተቕርቦ፡ "ተባዕታይ እንተኾይንካ ካብ በዓልቲ ገዛኻ፣ ሓፍትኻን ኣዴኻን ፍቓድ ንኽትረክብ ትሓቶ ምቕራብ ኣየድልየካን" ዝብል'ዩ።

ማሂላ 'ፎቶ ሾፕ' (ምስሊ ንምትዕርራይ ዝውዕል ቴክኖሎጂ) ሓልሓሊፉ ትጥቀም። ምኽንያታ ግን ካብቲ ክትግምትዎ ትኽእሉ ዝተፈለየ እዩ።

"ስእሊ እንትተልዕል ገና ዘይውዱእ ነገር'ዩ፤ ኢዚ ከኣ ፀሊምን ኣብ ጋህዳዊ ዓለም ዘለው ሕብርታት ዘይብሉን ይኸውን" እትብል ማሂላ።

"ስለዝኾነ ካብቲ ዝነበሮ ብዝበለፀ ሰሓባይን ውቁብን ንምግባር እየ ዝፍትን።" ክትብል ትዛረብ።

ቀጢን መሲልካ ንምርኣይ ዝግበር ፅዕሪ ኣይትቕበሎን።

ብማሂላ ዝተዳለወ መፅሓፍ ስእልታት ካብቲ ኣብ 2015 ዝተዳለወ መፅሓፍ ኪም ካርዲሽያን ዝተፈለየ እዩ ምባል ይከኣል።

"ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሎገራት፣ ኣብ ዓለምና ዘለው ፍሉጣት ሰባት ነዚ ዘይጭቡጥን ዘይሓቃውን ትርጎም ፅባቐ ቀሪፆም'ዮም። ከም ደቀ-ኣንስትዮ ምስኡ ምዝማድና ግን ንዓና ዝኸብድ ነገር'ዩ።" ትብል ማሂላ።

"ኪም ካርዲሽያን ኣብ ኢንስታግራም 100 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለውዋ። ናተይ ግን 200, 000 ጥራሕ እዮም። ነቲ ኣፈላላይ ኣገናዝቡ፡ ብጣዕሚ ዘገርም እዩ። ግን ድማ ትርጉም እቲ ተፈጥሮኣውን ዘይተኻበደን ፅባቐ፡ ናብ መላእ ዓለም ቀስ እናበለ ክሰርፅ እዩ" ኢላ።

ማሂላ ነቶም ናብ ሞያ ሰኣላይነት ክኣትው ዝደልዩ እተሕልፎ ማዕዳ እንታይ እዩ? ደረጅኡ ዝሓለወ ካሜራ ምውናን? ብዛዕባ ሌንስን ኩርናዓት ኣወሳስዳ ስእሊ ንክመሃሩ?

ኣይከምኡን።

"ዘተኣማምን ጫማ ግዝኡ" ትብል እናሰሓቐት፡ ምኽንያቱ "ጉዕዞ እግሪ ክትገብርን ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክትበፅሕን ግድን'ዩ" ክትብል ትገልፅ።