ፖለቲካ ኢትዯጵያ፡ "ኦዲፒ ዋጋ ንዝተኸፈሎም ሕቶታት ንጎኒ ክገድፍ የብሉን" ፕሮፌሰር መረራ

ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያን፡ ምኽትል ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ውድብ ኦሮሞን (ኦዲፒ) ኣይተ ለማ መገርሳ፡ ውህደት ኢህወደግ ከምዘየኣምንሉ ንቪኦኤ ገሊፆም እዮም።

"እቲ ምውሃድ ልክዕ ኣይኮነን። እንተኾይኑ'ውን ብታህዋኽ ክኸውን የብሉን፤ እዋኑ'ውን ኣይኮነን" ዝበሉ ኣይተ ለማ መገርሳ፡ ብፍልስፍና 'ምድማር'ውን ከምዘይስማምዑ፡ ኣብቲ ዝገበርዎ ቃለ-መሕተት ሓቢሮም።

ቤት-ምኽሪ ኢህወደግ፡ ውህደት እተን ውደባት ኣብ ዘፅደቐሉ እዋን፡ ኣብ ኣኼባ እቲ ቤት-ምኽሪ ከምዝተረኸቡ ብምሕባር፡ ብዛዕባ እቲ ከይዲ ግና፡ ነቲ ራድዮ ቪኦኤ ካብ ምዝራብ ተቖጢቦም።

ንምንታይ ፍልስፍና 'ምድማር' ከምዝተቓወሙ ከብርሁ እንከለው ድማ፡ ብሓፈሻ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ፡ ኣብ ጉዳይ ውህደት ዝተፈለየ ሓሳብ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

ኣብ መርገጺ ሚኒስትር ምክልኻል ኢትዮጵያን፡ ምኽትል ኣቦወንበር ውድብ ዲሞክራስያዊ ውድብ ኦሮሞን (ኦዲፒ) ኣይተ ለማ መገርሳ፡ ዘዘራረብናዮም ኣብ ዋሽንግተንን ዩኒቨርሲቲ ሊን መምህር ዝኾኑ ሄኖክ ገቢሳ (ዶክተር)፡ ብዛዕባ ውህደት እንተድኣ ንዛረብ ኮይንና፡ ነዛ ሃገር ዓብይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ከም ኣይተ ለማ ዝኣመሰሉ ሰባት ብምጉዳል፡ ውህደት ጋህዲ ምግባር ዘፀግም እዩ ክብል ተዛሪቦም።

ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓብይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰባት፡ ሓሳቦምን እምነቶምን ከይሓወሱ ውህደት ምክያድ፡ ከቢድ ከምዝኾነ ዶክተር ሄኖክ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ኣብ ጉዳይ ውህደት፡ ኣይተ ለማ መገርሳ ከምዘይሰማምዑ ብወረ ይሰምዑ ከምዝነበሩ ዝገለፁ ዶክተር ሄኖክ፡ ከምዚ ዓይነት ምክፍፋል ኣብዚ ሰዓት ክፍጠር ኣይነበሮን ዝብል እምነት ኣለዎም።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ "ኣብ ሞንጎኦም ብሰንኪ ዝፍጠር ዘይምርድዳእ፡ ቃልሲ ኦሮሞ ክከፋፈል የብሉን ኢለ ስለዝኣምን እየ" ኢሎም።

"ኣይተ ለማን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን፡ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህው ሰብ ውዕለት ስለዝኾኑ፡ ሓሳቦም ናብ ሓደ ክመጽእ ይግባእ" ብምባል፡ "ሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ ክንምልስ ኢና ኢሎም እንተኣሚኖም፣ መራሕቲ ህዝቢ ኦሮሞ ኢና እንተይሎም፡ ምርድዳእ ኣገዳሲ እዩ" ይብሉ።

መራሕቲ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ክንሃንጽ ኢና ክብሉ እንከለው፡ ተፃራሪ ሓሳብ ከአንግዱ ኣለዎም ኢለ ኣይኣምንን ዝብሉ ዶክተር ሄኖክ፡ መንቀሊ እዚ ዘይምርድዳእ ዝኾነ ውሳነ ውህደት፡ ዳግማይ ክረአ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎም።

ኣቦ መንበር ፌደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ብወገኖም፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ንህዝቢ ኢትዮጵያ መሪሕካ ናብ ለውጢ ምስግጋር ዘይኮነስ፡ ንኢህወደግ መሪሕካ ናብ ለውጢ ምስግጋር ብድሆ ከምዘጋጥሞ ገሊጾም ምንባሮም የዘኻኽሩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ኣብ ሞንጎ ኣባል ሰልፍታት ኢህወዴግ ዘሎ ምጥልላፍ ነቲ ቀዳማይ ሚንስትር ከቢድ ፈተና ከምዝኾኖ እምነቶም ገሊጾም።

"በዚ ምኽንያት ከምቲ ዝድለ ሓቢርካ ምቕጻል ኣይከኣልን" ዝበሉ ፕሮፌሰር መረራ፡ ኣብዚ ወሳኒ እዋን ፖለቲካዊ ስልፍታት ኦሮሞን ቄሮን ብዝተረጋግአ መንፈስ ብሓድነት ደው ክብሉ ጸዊዖም።

"ንለማ መገርሳ ዘጉደለ ምድማር፡ ምድማር ኣይኸውንን" ዝብሉ ዶ/ር ሄኖክ ገቢሳ፡ መርገፅን ርእይቶን ኣይተ ለማ መገርሳ፡ ናይ ውልቆም ዘይኮነስ፡ ናይ ዝበዝሓ ህዝቢ ኦሮሞ ኣመለኻኽታ ተገይሩ ክውሰድ ኣለዎ ብምባል ርእይትኦም ይህቡ።

ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣይተ ለማ መገርሳ፡ ከም ኦዲፒ ዝበለ ውድብ ምስ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ምትዕራቅ ዕዙዝ ግደ ከምዝነበሮም ብምግላፅ፡ ናቶም መርገፂ፡ ንናይ ደገፍቶም መርገፂ ከምዝልውጦ ዶክተር ሄኖክ ይገልፁ።

ካብዚ ብምብጋስ ድማ፡ ርእይቶ ኣይተ ለማ ዕሽሽ ምባል፡ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ይኽእል ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

እዚ ብዘሎ ዕቡጥ ኩነታት፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝቕበሉ ኣይመስሉን ዝብሉ እቶም በዓል ሞያ ሕጊ፡ ናይ ኦሮሞን ካልኦት ብሄር ብሄረሰባትን እታ ሃገር ሕቶ ክምለስ እንተድኣ ዝደልዩ ኮይኖም፡ ለማን ኣብይን ብሓባር ክሰርሑ ግድን ከምዝኾነ የስምርሉ።

'ፖለቲካ ሂብካ ናይ ምቕባል ጥበብ እዩ'

ኣብይን ለማን ሓደ ባህልን ቋንቋን ሃልይዎም፣ ንተመሳሳሊ ህዝቢ እናተቓለሱ፡ ተረዳዲኦም ምስራሕ እንተድኣ ዘይክኢሎም፡ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ዘፀግም እዩ ዝብሉ ዶክተር ሄኖክ ገቢሳ፡

ፖለቲካ፡ ሂብካ ናይ ምቕባል ጥበብ እዩ፡ ኣብ ከይዲ ፖለቲካ ምድምማፅን ሚዛን ንዝደፍእ ተነሓናሒ ሓሳብ ድማ ክትሰዓር ወሳኒ ከምዝኾነ የረድኡ።

ውህደት ንሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ ክሳብ ዝመለስ ፀገም የብሉን፤ ይኹን'ምበር እቲ ሓድሽ መዋጥር ካብ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ይምልስ እዩ ኣብ ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዎም ይዛረቡ።

ስለዝኾነ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብዚ ጉዳይ ንምርድዳእ፡ ጠጠው ኢሎም፡ ብግሉጽነትን ፍትሓውነትን ምስ ኣይተ ለማ ክዛተዩ ዝበለፀ ከምዝኸውን ኣብሪሆም።

እዚ ምርድዳእ እንተቐሉ እንታይ ክፍጠር ይኽእል?

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ምርድዳእ እንተዘይተፈጢሩ፡ ፖለቲካ እታ ሃገር ናብ ዘይተደለየ ኣንፈት ከምርሕ ከምዝኽእል ዝሰግኡ ዶክተር ሄኖክ፡ "ምናልባት ኣይተ ለማ መገርሳ ስልጣን ክሓድጉ ይኽእሉ እዮም፤ እዚ ማለት ድማ ሚኒስተር ምክልኻል ናብ ደምበ ተቓውሞ ሰጊሮም ማለት እዩ" ብምባል የብርሁ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣይተ ለማ ናይ ምቅዋም መርገፂ ዝሕዙ እንተድኣ ኮይኖም፡ ብናህቶም ኣመራርሓ ዝኣምኑ ኣካላት ስለዘለዉ ዓብይ ፖለቲካዊ ምግምማዕ ክፍጠር ይኽእል እዩ ኢሎም።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣብይ ኣሕመድ (ዶክተር)፡ ኣሉታዊ ፅልዋ ኣለዎ ክብሉ ስግኣቶም ገሊጾም፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀፃሊ መረፃ፡ ምክፍፋል ድምጺ ህዝቢ ከስዕብ ይኽእል እዩ ብምባል ሓሳቦም ዛዚሞም።