እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ውህደት እቲ ግንባር ኣጽዲቑ
ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ፡ ፈጻሚ ስራሕ እቲ እቲ ግንባር ዝወሰኖ ናይ ውህደት ኣጀንዳ ኣጽዲቑ ክብል ፋና ብሮድካስቲን ገሊጹ።
እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ዝጀመረ ኣኼብኡ እዩ ነቲ ውህደት ኣጽዲቑ ዘሎ።
ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ምስተመያየጠ እቲ ረቂቕ ሓሳብ ናብ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ከምዝመርሖ ይዝከር።
ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ኢህወዴግ ኣይተ ፍቓዱ ተሰማ ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ውህደት ብሙሉእ ድምጺ ከምዘጽደቖ ንኢቢሲ ጸብጺቡ።
ህወሓት ነቲ ውህደት ብምቅዋም ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይተሳተፈ ይፍለጥ።