እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጃዋር መሐመድ፡ እቲ ኽስተት 'ፈተነ ቅትለት' ገይረ እየ ዝርድኦ
'ኣክቲቪስት'ን ዳይሬክተር ማዕኸን ዜና ኦሮሚያ ሚዲያ ኔትዎርክን ጃዋር መሓመድ፡ ብሮቡዕ መንበሪ ገዝኡ ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተኸበበ፣ ሓለውቱ ድማ ከይነገርዎ ክወጽኡ ከም ዝተሓተቱን ከም ዝኣበዩን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽሒፉ።
ነዚ ስዒቡ፡ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ጸገም ጸጥታን፡ ዝተፈጠረ ናዕብን ዕግርግርን ብዝምልከት ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕትት ኣካይዱ።
ቢቢሲ፡ ትማሊ ለይቲ እንታይ እዩ ተፈጢሩ ኣብ ገዛኻ?
ጃዋር መሓመድ፡ ትማሊ ምሸት ፍርቂ ለይቲ እዩ። ኣነ ደቂሰ እየ ነይረ። ኣብ በሪ ክልተ ናይ ፌደራል ፖሊስ መኻይን መጺአን። እቶም ንሓለዋ ዝተመደቡለይ ኣባላት ፖሊስ ብህጹጽ ስለ ዝተደለዩ፡ ኣቕሑትኩም ሒዝኩም ትወጽኡ ተባሂሎም። እዚ ዘሰንብድ'ዩ።
ቀዳማይ ነገር ስለ ምንታይ በዚ ሰዓት ንኸድ ኢሎም። ካልኣይ፡ ንጃዋር ከይነገርኩም ውጽኡ እዮም ተባሂሎም። እዚ ነቶም ኣባላት ብጣዕሚ እዩ ደንጽይዎም። ብሓደ ገጽ ካብ ቤት ጽሕፈት ዝመጽአ ትእዛዝ እዩ። ብኻልእ ገጽ ድማ፤ ሕጋዊ ትእዛዝ ስለ ዘይኮነ ሰንቢዶም።
ካብኡ ናብ ፖሊስ ፌደራል ናብ ምክትል ኮማንደር ቪኣይፒ ደዊሎም። ንሱ ድማ ተመሳሳሊ ትእዛዝ ሂቡዎም። ካብኡ ብጣዕሚ ስለ ዝተገረሙ፡ ነቲ ኮማንደር ደዊሎም ደጊሙ ከረጋግጸሎም ገይሮም፤ እቲ ድምጺ ከምቲ ዝሰማዕኩሞ ቀዲሐዮ።
ካብኡ ንደሓር መጺኦም ኣልዒሎምኒ። መጀመርታ ሓቂ ኣይመሰለንን። ሕድሕዶም ዝተጓነጹ'ዩ መሲሉኒ ነይሩ።
ካብኡ ናብቲ ሓላፊ ቪኣይፒ ኮማንደር ደዊለ ሓቲተዮ። 'ጎይታይ ኣነ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፤ ይውጽኡ ዝብል ትእዛዝ ጥራሕ እዩ በጺሑኒ' ኢሉ።
'መን እዩ ኣዚዙካ' ኢለ ኣትሪረ ምስ ሓተትክዎ፡ ኮማንደር ኢሳቕ ይበሃል ኢሉኒ። ናቱ ስልኪ ክረክብ ኣይከኣልኩን። ፌዴራል ፖሊስ ኮሚሽን ደዊለ ስልኩ ኣየልዐለለይን። ናብ ምክትሉ' ድማ ደዊለ ንሱ'ውን ኣየልዕልን።
ካብኡ ካብ ሓደ ዓብይ በዓል ስልጣን ናብቲ ምክትል ኮሚሽነር ክድወል ገይረ። እቲ ትእዛዝ ትኽክለኛ ከም ዝኾነን ውሳነ ከም ዝተወሰነን ተዛሪቡ።
ካብኡ ናብ ሓደ ሽማግለ ኣመራርሓ ፖለቲካ ደዊለ፤ "እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ፡ ዓዲ ሰላም ኣይኮነን እንድዩ" ኢልና እናተዘራረብና እንከለና፡ ሰለስተ ተወሰኽቲ ሓይሊ ዝሓዛ መኻይን ምንቅስቓስ ጀሚን።
እዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓለውተይ ዓብይ ጭንቂ ፈጢሩ። ንሳቶም ድማ ዝመጽአ መጥቃዕቲ ንምምካት ተዳልዮም። ካብኡ ምፍጣጥ ተፈጢሩ። መናእሰይ'ውን መጺኦም።
ደሓር ግን፡ ነቲ ጉዳይ ሓላፍነት ዝወስድ ሰብ ምስ ሰኣንኩ፤ ናብ ህዝቢ ከውጽኦ ወሲነ። እቶም ሓለውተይ ለይቲ ሙሉእ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኣሕሊፎም። ካብኡ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ጸጥታ መጺኦም።
ፖሊስ ፌደራል መጺኡ። ካብ ምክልኻል ሃገር'ውን ዝተወሰነ ዩኒት መጺኡ። ካብ ፖሊስ ኦሮምያ'ውን ዝተወሰነ ሓይሊ መጺኡ። ካብኡ ኣነ ብጣዕሚ ሰንቢደ።
ኣብዚ ግዘ፡ ሓድሕዶም ከይጓነጹ ሰጊአ። ነቲ ኩነታት ከረጋግእ ይኽእል እዩ ዝበልኩዎ ጽሑፍ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብኣምሓርኛ ጠቂዐ።
ዝተፈላለዩ ሓይልታት ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ይመጽኡ ስለ ዝነበሩ ናብ ጎንጺ ከይኣቱ ኢለ እየ። ብሓፈሻ እቲ ኩነታት ዘይተሓለየን ናይ መንግስታዊ ባህሪ ዘየርእን ክስተት እዩ።
ቢቢሲ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ስግኣት ሓዲሩዎም ይርከብ። ኣብ ኦሮምያ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሰልፍታት ኣሎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ውን ከምኡ ዘፍርሕ እዩ። ናይ'ቲ ኩነታት ግዳይ ክንኸውን ንኽእል ኢና ኢሎም ስግኣት ዝሓደሮም ሰባት ኣለዉ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ትብል?
ጃዋር፡ መጀመርታ ምስ መጻእኹ፡ ምስ ኮሚሽነርን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተርን ተዛትየ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ላስ ቬጋስ ኣብ ዝመጽአሉ እዋን ኢና ተዘራሪብና። ብርግጽ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክመጽእ ደስ ኣይበሎን ነይሩ። ኢንጂነር ስመኘው ዝተቐተለሉ እዋን እዩ ነይሩ። ኣነ ግን ናተይ ምኻድ ርእሰ ምትእምማን እዩ ዝፈጥር።
ናብ ዓዲ ክኸይድ እየ ምስ በልኩ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓዊሱ፡ ሓለፍቲ ድሕነትን ፖሊስ ኮሚሽነርን ኩሎም፡ ናይ ግድን ሓለዋ ክምደበልካ ኣለዎ ኢሎም። ብዙሓት ጸላእቲ ስለ ዘለዉኻ ኣባኻ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ዓብይ ትርጉም እዩ ክህልዎ ኢሎም።
መጀመርታ ናይ ውልቀ ሓለዋ እየ ክገብር ኢለ ነይረ። ደሓር ግን፤ ናይ መንግስቲ ሓለዋ ወሳኒ እዩ ኢሎም- ከምኡ ገይርና ብኡ ቐጺለ።
ብሓለዋ ካብ ምኽባበይ ዝተልዓለ ድማ፡ ነጻነተይ ተደሪቱ እዩ። ኮይኑ ግን እቲ ዝለፋዕኹሉ ለውጢ ንክሳኻዕን ሰላምን ድሕነትን እታ ሃገር ንክህልውን ነቲ ውሳነ ክቕበል ተገዲደ።
ዝሓለፈ ዓመት፡ ናብ ዝተፈላለለዩ ክልላት እናተንቀሳቐስኩ፡ ብዛዕባ ምርግጋእ ከረድእ ጸኒሐ። ሎሚ ግን ድሕነተይ ክሕልዉ ዝግበኦም ሓይልታት፡ ብዝወሰኑዎ ዓብይ ሓላፍነት ዝጎደሎ ስጉምቲ እዚ ጸገም ተፈጢሩ።
ኣነ ጉድለት እንተለኒ፤ ክእሰር እንድሕር ተደልየ፡ ኣብ ዝደለዩዎ ግዘ ጸዊዖም ከዛርቡኒ ይኽእሉ እዮም።
ንዓ ተኣሰር እንተኢሎምኒ፡ እቲ ክሲ ሕጋዊ እንተኾይኑ እምቢ ዝብለሉ ምኽንያት የብለይን። እዚ ዝተገብረ ግን እንታይ ከም ዝኾነ ኣይተረደአነንን።
ካብ ውሽጢ ከም ዝሰማዕክዎ እንተኾይኑ ናይ ምእሳር'ውን ኣይመስለንን። እቲ ሓለዋ ብምልዓል ከም ዝፈርሕን ከም ዝሰግእን ክነገብሮ ኢና ካብ ዝብል ዝተልዓለ ናይ ውሸጢ ዝርርብ ከም ዝኾነ እየ ተረዲአ።
ካብኡ እቲ ሓለዋ ኣልዒልካ፡ ብዕስለ መናእሰያት ክጥቃዕ እሞ ካብኡ ዓሌታዊ ጎንጺ ኣምሲልካ፡ ንምቕራብ ከም ዝተሓሰበ እየ ሰሚዐ። ብሓፈሻ ዘሕዝንን ዘሐፍርን ተግባር እዩ ተፈጺሙ።
ህዝቢ ተቖጢዑ፡ ናብ ዘየድሊ ጎንጽን ዕግርግርን እዩ ኣትዩ ዘሎ። ህዝብና ክረጋጋእ ኣለዎ። ሰላማዊ ቃልሲ እዩ ከካይድ ዘለዎ። ኣብ ልዕሊ ንብረትን ህይወትን ካልኦት ሰባትን ዝኾነ ጉድኣት ክበጽሕ የብሉን። ምስ ሓይልታት ጸጥታ ክተሓባበር ኣለዎ።
ቢቢሲ፡ ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራል ዝኾነ ሓለዋ ክነልዕል ዝገበርናዮ ጻዕሪ የለን ዝብል መግለጺ ሂቡ። እንታይ እዩ ርእይቶኻ?
ኣብ ውሽጢ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል፡ ሓደ ሓደገኛ ዝኾነ ውዲት ኣሎ ወይ ከኣ ካብ ዝገርም ንላዕሊ ዝሕታለ ከም ዘሎ እዩ ዘርእየካ።
እቲ ክስተት፡ ኣብ ከውታ ለይቲ'ዩ ክፍጸም ተገይሩ። ብካልእ ሸነኽ ድማ፡ ትማሊ ስለ ምንታይ ከምዚ ገይርኩም ዝበልኩዎ ፖሊስ ኮሚሽነር፡ "ዝደለናዮ ሰብ ከነልዕል መሰልና እዩ " ዝብል መልሲ ሂቡኒ።
ሎሚ ንጎሆ ድማ ደዊሉ ገለ ጥርጣረታታት ስለ ዘለና፡ ብኻልኦት ሓደሽቲ ኣባላት ኢና ክንቕይሮም ደሊና ኢሉ። ከምኡ እንተኾይኑ እቶም ቅያር ኣበይ ኣለዉ ምስ በልኩዎ መልሲ የብሉን።
እቲ ዝኣለሙዎ ውዲት ስለ ዝፈሸሎም፡ ዝተፈጸመ ነገር የለን ይብሉ ኣለው፤ እዚ ጻዕዳ ሓሶት ስለ ዝኾነ ክእረም ኣለዎ።
ቢቢሲ፡ ምስ ሰበ ስልጣን እንታይ ዓይነት ርክብ እዩ ዘለካ? ቀዳማይ ሚኒስትር ብዛዕባ ሚድያ ዝተዛረቦ ዛዕባ ብፍላይ....
ጀዋር፡ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ይኹን መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ተቐራሪብና ኢና ንሰርሕ። ንክሕግዞም እንድየ ናብዛ ሃገር መጺአ? ስለዚ፡ ዘለኒ ተሞክሮ ተጠቒመ ክሕግዞም እየ ዝፍትን።
ሓቂ'ዩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ገለ ናይ 'ኣሃዳዊ' መልክዕ ዝሕዙ ስለ ዘለው፡ እዚ እቲ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራሊዝም ናብ ሓደጋ ዘእቱ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ነቒፈ'የ።
እዚ ኣካይዳ፡ ርክብ ብሄር ብሄረሰባት ዘሐርፍፍን እዞም ብሄራት ዘካየድዎ ቃልሲ ከንቱ ኮይኑ ክተርፍ ዝገብርን'ዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ንነዊሕ እዋን ክምዕድ ጸኒሐ፤ ግን ደፊኡ ንደገ ወጺኡ እንትርኢ እዚ ሓደጋ ስቕ ኢለ ክርእዮ ኣይደለኹን።
ብፍላይ ድማ፡ ውህደት ውድባት ኢህወዴግ ዝምልከት ኣዝዩ ዘተሓሳሰበኒ ጉዳይ'ዩ። መብዛሕተኦም ኣባላት ፈጻሚት ኢህወዴግ እቲ ውህደት ከምዘይኣምንሉ ነጊሮሙኒ።
እንተኾነ ግን ስለ ዝሰግኡ ጥራሕ ከም ዝድግፉዎ ስለ ዝፈለጥኩ፡ እዚ ክንቀፍ ኣለዎ።
እዚ ውህደት፡ ኣብ ሞንጎ እተን ሰልፊታት ምፍልላይን ምክፍፋልን ኣብ ሞንጎ ክልላት ድማ ዝኸፍአ ጎንጺ ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ስለዚ፡ ናይተይ ጽሑፍ፣ ነቐፌታ ይኹን ምስ ማዕከናት ዜና ዝገበርክዎ ቃለመሕተት፡ ነቲ ትማሊ ምሸት ዝተወስደ ስጉምትን ፈተነ ቅተለትን ዝዕድም ኣይኮነን።
ቢቢሲ፡ፈተነ ቅትለት'ዩ ነይሩ ኢልካ ትሓስብ?
ጀዋር፡ ብርግጽ! መን ውሳነ ከም ዘመሓላለፈ'ኳ እንተ ዘይፈለጥኩ፡ እቶም ኣባላት ጸጥታ፡ ንዓይ ከየተንስኡ ኣብዚ ቀጽሪ ኣብ ልዕሊ ዝተኣከቡ መናእሰይ መጥቃዕቲ ክፍጸምን፡ ነቲ መጥቃዕቲ በቶም መናእሰይ ከመኻንዩ ዝጽዕሩ ሰባትዮም ነቲ ወሳነ ወሲዶም ዝብል ርድኢት'ዩ ዘለኒ።
ክሳብ ሕጂ ብዘለኒ ሓበሬታ ድማ፡ ፈተነ ቅትለት'ዩ ነይሩ ኣብ ዝብል መደምደምታ'የ በጺሐ።
ቢቢሲ፡ ዝተጋነነ ጽልዋ ኣለካ ተባሂልካ ትንቀፍ
ጀዋር፡ ን20 ዓመታት ኣብ ፓለቲካ ኢትዮጵያ ሰሪሐ፤ ፖለቲካ'ውን ተማሂረ።
ገሊኡ፡ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንመለስ ምጽራፍ ክመስሎ እንከሎ፡ ኣነ ግን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ህንዲ ስልቲ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ኣጽኒዐ። ኣብ ሃገራት ባልካን'ውን ከይደ ተማሂረ። ድሕሪኡ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘይኮነ ሰላማዊ ቃልሲ'ዩ ዘዋጽእ ኢለ መጽሓፍ ጽሒፈ ኣከፋፊለ።
ፍልጠተይን ጉልበተይን ነዛ ሃገር ኣወፊየ፤ ሃገርን መንግስትን ከይፈረሰ ለውጢ ክመጽእ ሓጊዘ። እዚ ድማ፡ ፍሉጥን ጽዕልዋ ፈጣርን ክኸውን ገይሩኒ'ዩ። በዚ ምኽንያት፡ ስልጣን ሃቡኒ ምባል ምኽኣልኩ ነይረ፤ ግን ኣነ ኣይደልን።
ኣብዛ ሃገር እንታይ'የ ኣቢሰ? ከም ሓደ ውልቀሰብ፡ ግፍዕን ወጽዓን እንትርኢ ይዛረብን ይጽሕፍን። ነዛ ሃገር እዚኣ፡ ጽቡቕ እምበር ሕማቕ ኣይገበርኩን።
ኣብዛ ሃገር ንዝፍጠር ነገር ኩሉ፡ ንዓይ ተሓታቲ ናይ ምግባር ኣመል በዚሑ ኣሎ። ሰብኣይን ሰበይትን እንትጓየቑ ተሓታቲ ኣነ፣ ዝናብ እንትጠፍእ ተሓታቲ ኣነ።
እህም፡ ኣነ ዲዛይን ዝገበርኩዎን ስትራቴጂስት ኮይነ ዝመራሕኹዎን ምልዕዓል ዘምጽኦ ቐዳማይ ሚኒስትር፡ ከምዚ ዓይነት ርኢይቶ ኣብ ፓርላማ ቐሪቡ ከቕርብ ከሎ ኣዝየ'የ ሓዚነ።