እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኦሮሚያ ዝበጽሑዎ ስምምዕ እንታይ'ዩ?
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ሰልፊታት፡ ብሰሉስ 20 መስከረም 2012 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕ ከቲሞም።
ኣብዚ ስምምዕ፡ መራሕቲ ናይቲ ኣካል ኢሂወዴግ ዝኾነ ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ኦሮሞ (ኦዲፒ)፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)፣ ኮንግረስ ፌዳረሊስት ኦሮሞ (ኦፌኮ)፣ ግንባር ነጻነትን ሓድነትን ኦሮሞን ካልኦትን ዘካተተ'ዩ።
"ሓድሕድና ሰላም እንተዘይፈጢርና፡ ንካልኦት ከመይ ኢልና ሰላም ክንህብ ንኽእል?" ክብል ኣብቲ ስነ ስርዓት ፊርማ ዝተረኸበ መራሒ ዶዲፒን ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገርን ኣብዪ ኣሕመድ ተዛሪቡ።
ኣብዚ ዓመት ክካየድ'ዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ሃገራዊ ምርጫ፡ 'ፍትሓውን ዲሞክራስያውን' ከም ዝኸውን ዶ/ር ኣብዪ ቃል ኣትዩ።
ንኦዲፒ ወኪሉ ክታሙ ዘንበረ ሚኒስትር ምክልኻልን ምኽትል ኣቦ መንበር እቲ ሰልፊን ኣቶ ለማ መገርሳ ኾይኑ፡ መግለጺ ቅዋም እቶም ውድባት ድማ፡ ኣክቲቪስት ጃዋር መሓመድ ኣንቢቡዎ።
እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ካብ ምክሳስን ንሓድሕድካ ምንቋርን ወጺእና፡ እዚ ዘመን ዝጠልቦ ዘተ ብምክያድ ጸገማትና ክንፈትሕ ኣለና" ኢሉ።
ዝተሰማምዕሉ ጉዳይ እንታይ'ዩ?
ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ብውልቅን ሓባርን ክዝትዩ ከም ዝጸንሑ እቶም ፖለቲካዊ ሰልፊታት ገሊጾም።
ድሕሪ እዚ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ከም ዝኽኣሉ ብምሕባር፤ ቃልሲ ኣብ ዝሓቱ ጉዳያት ብሓባር ክሰርሑ ዘኽእሎም ኣወዳድባ ንምፍጣር ከም ዝተሰማምዑ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ግጭትን ዘስዕቦ ዘሎ ክሳራን ጠጠው ንኽብል ተሰማሚዖም ኣለው።
በዚ መሰረት፡ ኣቶ ለማ መገርሳ ዝመርሖ 'ጽላል ኣመራርሓ ኦሮሞ' ዝተብሃለ ሓበራዊ መድረኽ ዝቖመ ኾይኑ፡ ኣቶ ሌንጮ ለታ፣ ኣቶ ገላሳ ዲልቦን ዲማ ነገዎን ድማ ኣማኸርቲ ኮይኖም ተመሪጾም።
መስራትን ኣካያዲ ስራሕን ኦሮሚያ ሚዲያ ኔትዎርክ ጃዋር መሓመድን ኣቶ ኣበራ ቶላን ድማ፡ ኣተሓባበርቲ ናይዚ ኣወዳድባ'ዮም።
ይኹን'ምበር እዚ ስምምዕ ብዙሕ ዘይሳገር ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ዘለዎም ኣካላት፡ ብማሕበራዊ ሚዲያታት ርኢትኦም ይጽሕፉ ኣለው።
ኣካቢ እዚ ሓድሽ ኣወዳድባ ኣቶ ለማ መገርሳ ግን፡ እዚ ስምምዕ ዝተፈለየን ተስፋ ዝህብን'ዩ ኢሉ።
"ካብ ምጥርጣርን ምክሳስን ወጺእና ስለ ዝተዘራረብና፡ እዚ ስምምዕ ተስፋ ዘለዎ'ዩ" ዝበለ ኣቶ ለማ፤ "ኣጀንዳና ናይ ህዝቢ ኦሮሞ ኣጀንዳ ስለ ዝኾነ፡ ኮፍ ኢልና ምዝታይ ኣድላዪ ምኸወኑ ተሰማሚዕና ኢና" ኢሉ።
ኣቦ መንበር ኮንግረንስ ፌደራሊስት ኦሮሞ ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ብወገኑ፡ "ህዝብና ሓድነቱ ሓልዩ ዘምጽኦ ለውጢ ሓልዩ ቐጻልነት ክህልዎ ክገብር ኣለዎ" ኣለዉ ክብል ገሊጹ።