እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ንማእሰርትን ምብትታንን ስድራን ዝተሳጥሑ፣ ኣካላቶም ዝጎደሉ መናእሰይ ኦሮሞ'ዮም" በቀለ ገርባ
ብኦሮሚኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ናብ ኣምሓርኛ ብምትርጓም ዝካትዑ ሰባት፡ "ኣይተ በቀለ ንዕኦም ካብ ዝወከለ ህዝቢ ወፃኢ ንዘሎ 'ባዕዲ' ክብል ገሊፁ" ይብሉ።
"ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኣባላት ጉጅለ ፖለቲካ ካብ ማእሰርቲ ስለዝተፈትሑ ቅሬታ ከምዝተሰምዖም የፍልጡ ነይሮም" ክብሉ'ውን ይገልፁ።
ኣይተ በቀለ ግን "እቲ ዝተዛረብክዎ ካብ ጭብጢ ወፃኢ ዝኾነ ትርጉም ተዋሂብዎ። እዚ ዝተገበረ'ውን ኮነ ተባሂሉ እዩ" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
"ደቂ ኦሮሞ ብዝኸፈልዎ መስዋእቲ 'ባዕዳውያን' እናተረብሑ እዮም!" ከምዝበሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት እናተገለፀ'ዩ።
ኣብዚ እንታይ ሓሳብ ኣለዎም? ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ቀሪቡሎም።
ምስ ኦሮሞ ሚድያ ኔትወርክ ቃለ-መሕትት ከምዘካየዱ ብምርግጋፅ፡ "ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ መንግስቲ ወይ ካኣ ምምሕዳር እኹል እምነት ከምዘይብልና ገሊፀ'የ" ኢሉ።
"ተመሳሰልቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ንሰባትን ጉጅለታት እናተፈለዩ ፍትሓውነት ብዘይብሉ ኣገባብ ገለ ስጉምትታት ይውሰድ ምህላዉ ተዛሪበ እየ" ክብሉ ኣረጋጊፆም።
ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ዝተኻየዱ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት እቶም ዝበዝሑ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከምዝተኻየዱ ኩሉ ዝፈልጦ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
"ብዙሕ ህይወትን ንብረትን ዝጠፍአ፣ ነታ ሃገር ናብ ቅልውላው ዘእተወ ምንቅስቓስ ኣብቲ ክልል ዝተፈፀመ እዩ። ነዚ'ውን ዝለዓለ መስዋእቲ ዝኸፈሉ፣ ንማእሰርትን ምብትታትን ስድራን ዝተሳጥሑ፣ ኣካላቶም ዝጎደሉ መብዛሕቲኦም መናእሰይ ኦሮሚያ ከምዝነበሩ ዝኽሕድ ዘሎ ኣይመስለንን" ኢሎም።
'ካልኦት' ኢሉ ዝገለፆ ቃል 'ባዕዳውያን' ብዝብል፡ ብእንግሊዝኛ ድማ 'ኤሊየን' ክብሉ ተርጒሞም ህዝቢ ናብ ደንገርገር ክኣትው ከምዝደለዩ ተዛሪቦም።
ኣይተ በቀለ "ብጣዕሚ ፀያፍ ብዝኾነ መልክዑ፡ ንኢትዮጵያዊ ብዘይግባእ ቦታን ስምዒትን ትርጉም ሂቦም ተርጒሞሞ፤ እዚ ድማ ብዘይፍላጥ ዝተገበረ እዩ ዝብል እምነት የብላይን" ክብሉ ኣረዲኦም።
'ካልኦት' ዝብልቃል ክጥቀሙ ከለዉ ካብቲ ናታቶም ዝተወደብሉ ፖለቲካዊ ሰልፊ ወፃኢ ንዘለዉ ትካልት ወይ ድማ ሰልፍታት ንምባል ከምዝተጠቐሙሉ'ውን ገሊፆም።