ጉግል ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ጎስጓሳት እገዳ ክገብር'ዩ

ጉግል ኣብ መላእ ዓለም ናይ ፖለቲካ ምልክታታት ከምዝእግድ ኣፍሊጡ።

እዚ እገዳ፡ ኣብ ግዘ ጎስጓስ ምረጹኒ፡ ዩቲዩብን ጉጉል ሰርችን ብምጥቃም፡ መራጺ ምርካብ ከምዘይከኣል ዝገብር እዩ።

ይኹን'ምበር፡ ሕዚ'ውን ኣብ ጎስጓስ መረጻ፡ ናይ መራጺ ዕድመ፣ ፆታን ኣድራሻን ምጥቃም ከምዝከኣል ተሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ጉግል ኣብ መላእ ዓለም ንምትግባር ተሊምዎ ዘሎ እግድ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከምዝጅመር ተገሊጹ።

ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ምእጋድ ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ግጉይ መረዳእታ ኣብ ዝሕዙ መላለይ ምልክታታት'ውን ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ።

እዚ ስጉምቲ፡ ቅድም ሕዚ መላለይታት ሕጹያት ፖለቲካን ጎስጓስ ምረጹኒን ከምዘየጻርይ ምስ ዝገለጸ ፌስቡክ፡ ከላትሞ ከምዝኽእል ስግኣታት ኣሎ።

ኣብ ትካል ጉግል ስራሕ መካየዲ ሌላን ምሕደራ ፍርያትን ስኮት ስፔንሰር፡ ፖለቲካዊ ዘተታት፡ ቀንዲ ክፍልትታት ዲሞክራሲ ብምዃኖም፡ ዝኾነ ሰብ ከምዝደለዮ ፖለቲካውን ተጻረርት ሓሳባትት ከደልድል፤ ከምኡ'ውን ክመርሕን ክቆጻጸርን ኣይግባእን ኢሉ።

"ዋላ እኳ ውሑዳት እንተኾኑ፡ ኣብ ቀጻሊ፡ ስጉምቲ እንወስደሎም ናይ ፖለቲካ መላለይታት ኣለዉ" ክብል እቲ ስራሕ መካየዲ ወሲኹ ገሊጹ።

ትዊተር'ውን፡ ናይ ፖለቲካ መላለይታት ከምዝእግድ ምግላጹ ይዝከር።