ኢራን ብምኽንያት ነዳዲ ናብ ጎደናታት ኣብ ዝወጽኡ ተቓወምቲ ስጉምቲ ከምእትወስድ ኣጠንቂቓ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኢራን ኣብ ልዕሊ እቶም ንሓድሽ ፖሊሲ ነዳዲ ብምቅዋም ዝወጹ ሰልፈኛታት ስጉምቲ ከምእትወስድ ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እታ ሃገር ነዳዲ ብመቑነን ከምዝሽየጥን ዋጋ ከምዝወስኽን ብምግላጻ ከቢድ ተቓውሞ ተላዒሉ ኣሎ።
ዛጊት በቲ ናዕቢ ሓደ ሰብ ከምዝሞተን ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ።
እቲ ክሳብ 50 ምኢታዊት ዝበጽሕ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፡ ንድኻታት ዝሕግዙሉ ገንዘብ ንምርካብ ከምዘኽእሎም ሰበስልጣን ሓቢሮም።
ኣመሪካ ካብ ስምምዕ ኑክሌር 2015 ምስኣንሳሓበት ኣብታ ሃገር ዘንበረቶ ማዕቀባት ንኢኮኖሚ እታ ሃገር ሃስዩዎ እዩ።
ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ዓብደልሪዛ ራህማን ፋዝሊ፡ እቲ ናዕቢ ጠጠው እንዘይኢሉ እታ ሃገር ስጉምቲ ንምውሳድ ከምእትግደድ ገሊጹ።
በቲ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ ፖሊሲ መሰረት፡ ሓደ በዓል ተሽከርካሪ ኣብ ወርሒ 15 ሽሕ ርያል ኢራን ብዝኾነ ዋጋ፡ 60 ሊትሮ ነዳዲ ጥራሕ ክገዝእ እዩ ዝፍቀዶ።
ካብዚ ወጻኢ ንዝገዝእ ግን ንሓድሕድ ሊትር 30 ሽሕ ርያድ ክኸፍል ይግደድ።
ቅድሚ ሕዚ ዋጋ ሓደ ሊትር ነዳዲ 10 ሽሕ ርያል ዝነበረ ኮይኑ፡ ዘወርቲ ክሳብ 250 ሊትር ነዳዲ ክገዝኡ ይፍቀድ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







