ኣብ ቦሊቭያ ወጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ምስ ተሓበረ ሓያል ናዕቢ ተላዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ቦሊቭያ ፕረዚደንት ኢቮ ሞራለስ ብጸቢብ ውጽኢት ከም ዝተዓወት ድሕሪ ምቅልሑ፡ ኣብታ ሃገር ሓያል ናዕቢ ከም ዝተላዕለ ተሓቢሩ።
ምቑጻር ወረቐት ምርጫ ብሰንበት ምስ ተወደአ፡ እቲ ወጽኢት ተቐራራቢ ስለ ዝኾነ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዳግማይ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክኸካየድ ክእወጅ'ዩ ዝብል ግምት ብዙሓት ነይሩ።
እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ሞራለስ ብጸቢብ ይመርሕ ከም ዘሎ ምስ ተሓበረ፡ ተወዳዳሪኡ ዝኮነ ካርሎስ መሳ ነቲ ውጺኢት ከም ዘይቕበሎ ብቕጽበት ሓቢሩ።
ነቲ ምርጫ ንምዕዛብ ካብ ሃገራት ኣሜሪካ ዝተዋጽአ ጉጅለ (ኦኤኤስ) ብወገኑ፡ "እቲ ናይ መወዳእታ ወጽኢት፡ ብሕጋዊ መንገዲ ህዝቢ ኣብ መድመጺ ናቁጣ መጺኡ ዘድመጾ ቁጽሪ ከንጸባርቕ" ከም ዝጽበ ሓቢሩ ኣሎ።
እዚ ጉጅለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ውጺኢት ምርጫ "ዘተሓሳሳብን ንኽትገልጾ ከቢድን ዝኾነ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።
ብሰኑይ ናዕቢ ዘካይዱ ዝነበሩ ደገፍቲ ካርሎስ መሳ፡ ኣብ ዞባታት ሱክረን ታሪጃን ዝነበረ ቤት ጽሕፈታት ኮምሽን ምርጫ እታ ሃገር ከም ዘቃጸልዎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ክገልጻ እንከለዋ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ላ ፓዝ እውን ኣብ ሞንጎ ናዕበኛታትን ፖሊስን ሓያል እምባጋሮ ከም ዝነበረ ሓቢረን።
ነቲ ውጽኢት ብቀጥታ ዘርኢ ዝነበረ መርበብ ሓበሬታ፡ ብሰንበት 83.3 ሚእታዊት ናይ ኣድመጽቲ ምስ ሓበረ፡ ብድሕሪኡ ዝተቆጸረ ውጺኢት ምሕባር ደው ከም ዘበለ እዩ ንብዙሓት ሕቶ ከልዕሉ ኣገዲድዎም።
እቲ ዝተቖጸረ ኸኣ 45.3 ሚእታዊት ሞራለስ፡ 38.2 ሚእታዊት ኸኣ መሳ ድምጺ ከም ዝረኸቡ የርኢ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ መርብብ ሓበሬታ ብሰኑይ ሓበሬታ ክፍኑ ምስ ጀመረ ግን ሞራልስ 46.85 ሚእታዊት ከምኡ ኸኣ ካርሎስ መሳ 36.47 ሚእታዊት ድምጺ ከም ዝረኸቡ ብምሕባር፡ ፕረዚደንት ሞራልስ ብልዕሊ 10 ሚእታዊት ንመወዳድርቱ ስለ ዝበለጾ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ካልኣይ ግዜ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከም ዘይካየድ ብሩህ ኮይኑ።
ፕረዚደንት ሞራለስ፡ ንደገፍቱ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ምቁጻር ድምጺ ናይቶም ኣብ ሃገረሰባት ቦሊቭያ ዝርከቡ ምስ ተጀመረ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ካልኣይ መስርሕ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከም ዘይኣትዉ "ምሉእ ርእሰ ምትእምማን ነይሩኒ" ኢሉ።
ካርሎስ መሳ ብወገኑ፡ ውጽኢት ናይቲ ምርጫ ከም ዘይቕበሎ ብምሕባር "ነዚ ተቃሊሑ ዘሎ ውጽኢት ኣይቕበሎን'የ፡ ኣዝዩ ዘሕፍር እዩ፡ ከምዚ ዓይነት ስርቂ ድምጺ ምክያድ ንህዝቢ ቦሊቭያ ናብ ዘይድሊ ወጥሪ ዘእቱ'ዩ" ኢሉ።
ኢቮ ሞራለስ መን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኢቮ ሞራለስ ኣብ 2006 እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ፤ እቲ ቀዳማይ ወደባት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኸኣ'ዩ።
እዚ ሕጂ ተሓቢሩ ዘሎ ወጺኢት ምርጫ እንተጸዲቑ፡ ክሳብ 2025 ኣብ ስልጣን ፕረዚደንትነት ክጸንሕ'ዩ።
ኢቮ ሞራለስ፡ ኣብ 2016 ንውሓት ግዜ ፕረዚደንትነት ንኽቕየር ዘቕረቦ ሓሳብ ቦሊቭያውያን ብረፈረንደም ክስዕርዎ ክኢሎም እዮም።
ኢቮ ሞራለስ ኣብ ማሕበራዊ ፖሊስታት ዘተኣታተዎ ለውጥታት ወትሩ ምስ ተሞጎሰ እዩ፤ እንተኾነ በቲ ንንውሓት ግዜ ፕረዚደንትነት ዘምጽኦ ሓሳባት ይንቐፍ።
ኢቮ ሞራለስ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘካየዶ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ኩሉ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ውድድር እናሰዓረ እዩ ሓሊፍዎ።
እዚ ብደቀባት ቦሊቭያ ዓቢ ተቐባልነት ዝረከበ ፕረዚደንት ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ምምሕያሽን ንድኽንት ካብታ ሃገር ንምውጋድን ከም ዝሰርሕ እዩ ዝዛረብ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







