ኣብ እዋን ፈተና ተምሃሮ ብካርቶን ክሽፈኑ ዝገበረ ቤት ትምህርቲ ይቕረታ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, ANI
ተምሃሮ ገጾም ብካርቶን ተሸፊኑ ክፍተን ከለዉ ዘርእይ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ተዘርጊሑ መዘራረቢ ድሕሪ ምዃኑ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ይቕሬታ ሓቲቱ።
እዚ ስእሊ፡ ኣብ ህንዲ ዞባ ካርናታካ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ፈተና ኬሚስትሪ ክወሃብ እንከሎ'ዩ ተሳኢሉ።
ተምሃሮ፡ ኣብ እዋን እቲ ፈተና ካብ ካልኦት ከይቐድሑ ንምክልኻል ብሓደ ገጹ ዝተቐድደ ካርቶን፡ ተሸፊኖም ይረኣዩ።
ኣመሓዳሪ ኮሌጅ ሃቬሪ፡ ምቅድዳሕ ንምክልኻል ልሙድ ዘይኮነ መገዲ ምጥቃሞም ብምእማን፡ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲቱ።
ንሱ ከም ዝበሎ፡ 'ብፍቓድ' እቶም ተምሃሮ ዝተገበረ ክኸውን እንከሎ፡ ኩሎም ናይ ባዕሎም ካርቶን ሒዞም'ዮም መጺኦም።
"ዋላ ሓደ ኣስገዳድ ኣይነበረን። ኩሎም ተምሃሮ ነቲ ካርቶን ኣይገበርዎን። ገሊኦም ድሕሪ 15 ገሊኦም ድማ ድሕሪ 20 ደቒቕ፡ ኣልየምዎ'ዮም፤ ንሕና'ውን ድሕሪ ሓደ ሰዓት ከውጽኡዎ ሓቢርናዮም ኢና" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, ANI
ሓለፍቲ ስራሕ ትምህርቲ እቲ ዞባ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ሓበሬታ ምስ በጽሖም፡ ብቕልጡፍ ናብቲ ኮሌጅ ብምኻድ ኮኒነሞ'ዮም፤ ጠጠው ክብል ከምዝገበሩ'ውን ተገሊጹ።
ሓደ በዓል መዚ ትምህርቲ፡ ነቲ ተግባር "ኢሰብኣዊ" ክብል ገሊጹዎ።
"ብዛዕባ እዚ መልእኽቲ ምስ በጽሐኒ፡ ናብቲ ኮሌጅ ብምኻድ ብቕልጡፍ ጠጠው ከብልዎ ኣዚዘ'የ" ከም ዝበለ ታይምስ ኦፍ ኢንዲያ ጸብጺቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







