ኣብ ህንዲ ካንሰር ንምንታይ'ዩ ኣብ ደቂ ኣስትዮ ዝያዳ ዝንድር

ምንጪ ስእሊ, AFP
ካንሰር ንሰብ ሞያ ጥዕና ካንሰር ህንዲ ግድል ኮይንዎም ይርከብ።
ዋላኳ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ሰባት ብካንሰር ከም ዝጥቅዑ'ኳ እንተተሓበረ፤ ምስ'ታ ዝማዕበለት ኣሜሪካ ክነጻጸር እንከሎ ግን ኣብ ህንዲ ዝተሓተ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እዚ ድማ ኣብ ህንዲ እቶም ዝብዝሑ ብካንሰር ዝጥቅዑ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ክኾኑ እንከለው፤ ሕክምና ምስ ጀመሩ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድሎም ድማ ትሕቲ ሓሙሸተ ዓመት'ዩ።
እቲ ንምግላጹ ዘሸግር ግን ኣብ ህንዲ ንምንታይ ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ብካንሰር ዝጥቅዓ።
ህጹጽ ምልባዕ
እዚ ክንብል እንከለና ግን ኣብ ህንዲ ቁጽሪ ብካንሰር ናይ ዝሞቱ ደቂ ታባዕትዮ ካብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዛይዱ ንረኽቦ። ይኹን እምበር ናይ ምፍዋስ ዕድል ግን ኣብ ድቂ ኣንስትዮ ይዓቢ።
እዚ ብምኽንያት እቶም 70% ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝርኣዩ ዓይነታት ካንሰር ማለት ጡብ፤ ማህጸን፤ ማህደር እንቋቑሖን ከባቢ መዓናጡን ብምዃኖም ድማ፡ ናይ ምፍዋሰን ተኽእሎ ዓቢ የገብሮ። ናይ ጡብ ካንሰር ድማ ኣብ ህንዲ እቲ ዝዓበየ ቦታ ሒዙ'ሎ።
መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ግና ብምኽንያት ምትካኽ ሽጋራን መስተን፤ ብካንሰር ሳንቡእ ዝሳቐዩ ብምዃኖም ናይ ምፍዋስ ዕድሎም ጸቢብ ይገብሮ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ህንዲ ትሕቲ 10 ሚእታዊት ናይ ጡብ ካንሰር ብዘርኢ ዘመሓላለፍ ኮይኑ፤ እዚ ድማ ፍሉይ መርመራ ብምክያድ ጥራይ'ዩ ክግለጽ ዝኽእል። እዚ ኣጸጋሚ ብምዃኑ ዝተፈላለዩ ጎሰጓሳት ብምክያድ ዜጋታት ኣብ'ዚ ሕማም'ዚ ዘለዎም ኣፍልጦ ምዕባይ'ዩ።
እቲ ዝዓበየ ጠንቂ ናይ ጡብ ካንሰር ምዃኑ ዝንገረሉ ግን ዘይተመጣጠነ መግቢ፤ ድንጉይ መርዓ፤ ምዝባዕ መገበ ጡብን ካልኦትን ብምዃኖም ነዚኦም ብምስትኽኻል ሂወት ብዙሓት ምድሓን ይከኣል ይብል ኣብ ህንዲ ዳይረክተር ሃገራዊ ምክልኻል ካንሰር ዶክተር ራቪ መህሮታ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







