እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሜክሲኮ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 14 ፖሊስ ተቐቲሎም
ኣብ ምዕራባዊ ሜክሲኮ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 14 ፖሊስ ክቕተሉ እንከለዉ ካልኦት 3 ቆሲሎም።
እቶም ፖሊስ፡ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ንምፍጻም እንትንቀሳቐሱ፡ ኣብ ክልል ሚቾካን እዩ መጥቃዕቲ ተፈጺሙዎም።
እቲ መጥቃዕቲ ጃሊስኮ ኑዌቫ ብዝተብሃል ጉጅለ ገበነኛታት ከም ዝተፈጸመ ይእመን።
ነቶም ገበነኛታት ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ዝከኣል ኩሉ ከም ዝግበር ሰብ መዚ እታ ሃገር ይገልጹ።
እቲ ከባቢ፡ ኣብ መንጎ ዕጸ ፋርስ ዘዘዋውሩ ጉጅለታት ንዓብላላይነት ብዝግበሩ ጎንጽታት ሰላም ዝሰኣነ እዩ።
መራሒ ጉጅለ ጃሊስኮ ኑዌቫ ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብፖሊስ ሚቾካን እዩ ተቐቲሉ።
ኣብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኣባላት እቲ ጉጅለ ከም ዝተፈጸመ የመላኽት።
እቲ ጉጅለ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ከም ዝመጸን ፖሊስ እታ ግዝኣት ኮነ መንግስቲ ፌደራል እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጡቕ ክዕወቱ ከም ዘይከኣሉ ይግለጽ።
መንግስቲ እታ ሃገር ምስ ዕጸ ፋርስ ተኣሳሲሮም ዝፍጸሙ ገበናት ንምክልኻል ብርቱዕ ጻዕሪ ይገብር እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ቅትለት፡ 29 ሽሕ ሰባት ተፈጺሙ እዩ።