እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ህንፀት መንደቕ ሜክሲኮ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክእውጅ`ዩ
ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ምስ ሜክሲኮ ኣብዘዳውብ ቦታ ክሃንጾ ዝወጠኖ መንደቕ መህነጺ ዝውዕል ገንዘብ ንምንዳይ ሃገራዊ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ክእውጅ ከም ዝኾነ ቤት መንግስቲ ኣሜሪካ [ዋይት ሃውስ] ኣፍሊጡ።
ተቓዋሚ ሰልፊ ዴሞክራት፡ ነቲ መደባቱ ብምቅዋሞም፡ ስጋብ ህጹጽ ግዜ ብምእዋጅ ነቲ ናይ ባይቶ ስልጣን ብምስጋር ድልየቱ ንምትግባር ይሕልን ኣሎ። እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ዶብ ዘሎ ኩነታት ግና ህጹጽ ግዜ ንምእዋጅ ዝዕድም ኣይኮነን ይብሃል።
ነቲ ኣብቲ ሃገር ኣንጸላልዩ ዘሎ ናይ መንግስታዊ ትካላት ምዕጻው ኩነት ንምእላይ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ናይ ዶብ ናይ ጸጥታ ሕጊ ኽታሙ ከንብረሉ ኢዩ ይብሃል።
በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ትራምፕ ንናይ ባይቶ ስልጣን ጎስዩ ብምሕላፍ ባጀት ናይ ሰራዊት ብምጥቃም ነቲ መንደቕ ናይ ምህንጻ መደባት ከምዘሎ ካብ ቤተ መንግስቲ ዝተዋህበ መግለጺ ኣብሪሁ።
ገለ ገዳይም ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ኩሉ እቲ ትራምፕ ዝገብሮ ዘሎ ``ሕጊ ምጥሓስን ምፍራስን`` ኢዩ ብምባል ኣውጊዞም።
እቲ ምህንጻ ናይቲ መንደቕ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ትራምፕ ኣብ እዋን ምርጫ ንምትግባሩ ዝተመባጽዖ ጉዳይ ኢዩ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ናብ ስልጣን ምስደየበ ነቲ ዝተመባጽዖ መንደቕ መህነጺ ዝኸውን ባጀት ክውሕስ ኣይከኣለን።
ብሓሙስ፡ ባይቶ ኣብ ዘካየዶ ኣኼብ ኣንጻር እቲ ናይ ትራምፕ ድልየት ምህናጽ እቲ መንደቕ ብምድማጽ ነቲ ንድፊ እማመ ኣጽዲቖሞ።
እቲ በቲ ባይቶ ዝሓልፈ ንድፊ ድማ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኽታሙ ብምንባር ሕጋውነት ክለብሶ ኢዩ።
ቤተ መንግስቲ`ኸ እንታይ ኢሉ?
``ሕጂ`ውን እቲ ፕሬዚደንት ጸጥታ ዶብን ሃገርን ንምውሓስ ነቲ ዝተመባጽዖ ክትግብሮ ኢዩ`` ኢላ ሳራ ሳንደርስ፡ ናይ ቤተ መንግስቲ ናይ ዜና ሓላፊት ብሓሙስ ኣብዝሃበቶ መግለጺ።
``ሃገራዊ ድሕነት ንምርግጋጽን ነቲ ኣብቲ ዶባት ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ደው ንምባልን፡ ካልእ ፈጻሚ ስጉምትታት፡ እንተላይ ምእዋጅ ናይ ህጹጽ ግዜ`` ክወስድ ከምዝኽእል ሳራ ሳንድርስ ገሊጻ።
እቲ ባይቶ ዝሓለፎ ሕደገታት ዝመልኦ እማመ፡ ነቲ ኣብ ዶባት ዘሎ ጸጥታ ንምውሓስን ገለ ሓጹር ንምህናጽን ዝውዕል 1.3 ቢልዮን ዶላር ኣጽዲቑ።
ነቲ ትራምፕ ክሃንጾ ዝደልዮ መንደቕ ዝውዕል ባጀት ግና ኣየጽደቐን። ትራምፕ ነቲ መንደቕ ንምህናጽ 5.7 ቢልዮን ዶላር ኢዩ ሓቲቱ ነይሩ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ፍለማ ኣብዚ ዓመት ነቲ መንደቕ ንምህናጽ ሃገራዊ ህጹጽ ኣዋጅ ክእውጅ ተኽእሎታት ከምዘሎ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ሽዑ ገለ ባላት ሰልፉ [ሪፓብሊካን] እቲ ኣዋጅ ምእዋጅ ሓደገኛ ኩነት ክፈጥ ከምዝኽእል ገሊጾም።
ብዝኾነ፡ ኣበ መወዳእታ፡ ትማሊ ባይቶ ኣብዘካየዶ ኣኼባ፡ ነቲ ኣማመ ሓለዋ ዶብ ብ83 ደገፍን 16 ተቓውሞን ኣጸዲቖሞ።
ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ እንታይ`ዩ?
ህጹጽ ግዜ ዝእወጅ ሃገር ኣብ ቅልውላው ኣብትኣትወሉ`ዩ።
ብኣጠማምታ ፕሬዚደንት ትራምፕ ድማ እቲ ስደተኛታት ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ዝፈጥርዎ ዘለው ቅልውላው ንኣሜሪካ ስግኣት ኢዩ በሃላይ።
ሃጹጽ ግዜ ኣዋጅ ብምእዋጅ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ፍሉይ ስልጣን ብምርካብ ነቲ ሕጋውን ፖለቲካውን መስርሕ ክሰግሮ የኽእሎ ኢሎም ገለ ናይ ፖለቲካ ክኢላታት።
ከምኡ ብምግባር ነቲ ናይ ሰራዊትን ንእዋን ሓደጋ ዝትሰለዐ ባጀት ብምጥቃም ነቲ መህነጺ መንደቕ ከዎሎ ይኽእል ኢሎም እቶም ክኢላታት።
እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ዶብ ደቡባዊ ክፋል ኣሜሪካ ዘሎ ኩነታት ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ንምእዋጅ የኽእል ዲዩ ዝብል ክትዕ ኣሎ።