ኣስከሬን ግዳያት ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ነናብ ሃገሮም ይለኣኽ ኣሎ

ኣስከሬን ግዳያት ሓደጋ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ነናብ ሃገሮም ይለኣኽ ኣሎ።

ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ ብዝተገብረ መርመራ ዘርኢ ህዋስ (DNA)፡ ኣካላት (ኣስከሬን) ናይቶም ግዳያት ምስተለለየ እዩ እዚ ከይዲ ምፍናው ዝትግበር ዘሎ።

ኣብታ መብዛሕተኦም ዜጋታት ኬንያ ኣሳፊራ ዝነበረትን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝወደቐትን ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ዜጋታት ካልኦት 30 ሃገራት'ውን ነይሮም።

ኣብቲ ሓደጋ 157 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

ንፈለማ እዋን ኣስከሬን ቤተሰቦም ክርእዩ ዝተገብሩ ኬንያውያን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ከቢድ ሓዘን ኮይኖም እዮም ኣሕሊፎምዎ።

በቲ ዝተኻየደ መርመራ ዲ-ኤን-ኤ፡ ክልለዩ ዘይተኽኣሉ ኣካላት ናይቶም መወትቲን ገለ ንብረትን ድማ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ዝወደቐትሉ ከባቢ ኣብ ዝስራሕ መዘክር ከምዝዓርፍ ሰብ መዚ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገሊፆም።

እታ ቦይንግ 737 ማክስ-8 ዝዓይነታ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ናይታ ሂወት 190 ሰባት ዝቐዘፈ ተመሳሳሊ ሓደጋ ዘጋጠማ ተመሳሳሊት ስርሓት ዝኾነት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢንዶኔዥያ እያ ወዲቓ።